ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ‘ኣብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ንፋስ ተስፋ ይነፍስ ኣሎ’ ክብሉ ከለው ‘ራኢዮም ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝተበጽሐ ታሪኻዊ ስምምዕነት ወሳኒ ተራ ከምዝነበሮ’ ጠቐሱ።
ላዕለዋይ ኮምሽነር ጉዳይ ስዱዳት ፍሊፖ ግራንዲ ‘እቶም ቀ/ሚ ሰላም ናብ ሃገሮምን ኣብ’ቲ ዞባን ንክዓስል ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ዝሃበ’ዩ’ ኢሎም።
ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ‘እቲ ሽልማት ፍረ ጻማ ኣብ ጻዕሪታት ሰላምን ዓለም-ለኻዊ ርክባትን ነቲ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ግጭት ናይ ዶብ ንከብቕዕ ስለዝሓገዙ’ ምዃኑ ጠቒሱ።
ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪቅ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኬረን ባስ ብወገነን ‘ንቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ እንኳዕ ኣሓጎሶም ምስ በላ፣ እቲ ንኡስ መራሕ ኣብ ኢትዮጵያን መላእ እቲ ዞባን ሰላምን ዕርቅን ንክምለስ ንዘለዎ ጻዕሪ ዝግበኦ’ዩ’ ኢለን።
መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ሽልማት ኖቬል ሰላም ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ዛጊድ የለን። ናብ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ደዊልና’ውን ኣይሰለጠናን። እንተኾነ ኣብ ጃፓን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ እስጢፋኖስ ኣፈወርቂ ‘ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቬል ሰላም ስለዝተዓወትካ እንኳዕ ደስ በለካ። ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብደሞም፣ ራሃጾምን ንብዓቶምን ኣብ ልዕሊ ክፉእ ተዓዊቶም’ዮም’ ዝብል መልእኽቲ ብትዊተር ፈንዮም።