ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መዓልቲ ነጻነት ፕረስ ኣብ ዝዝኸረሉ ኣብ ገለ ሃገራት ዓፈና ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ምቅጻሉ ተገሊጹ


ሎሚ ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ዝዝከረሉ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍቲ ኢንተርነትን ካብ መንጎ`ቶም ኣብ`ታ ሃገር ብሰንኪ ኣዋጅ እዋን ሓደጋን ምስቲ ናይ ዓሚ ዝተላዕለ ህውከት ብዝተሓሓዝን ዝተኣስሩ ኣሸሓት ሰባትን ኮይኖም ንረኽቦም።

ኣብ ኤርትራ ድማ ንዝሓለፈ 16 ዓመታት ተኣሲሩ ዝርከብ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ካብ ዩኔስኮ ንዝተዋህቦ ሽልማት ሎሚ ኣብ ጃካርታ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ክርከቦ ዘይምኽኣሉ ይጥቀስ።

ኣብ ጀነቫ ድማ ፍልይቲ ራፖርተር ሺላ ኪትሩት ኩሎም ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ትጽውዕ።

ብመሰረት ፍሪደም ሃውስ ዝተባህለ ንዲሞክራሲ ዝሕለቕ ትካል ናጽነት ፕረስ ብደረጃ ዓለም ኣብ ውሽጢ 13 ዓመታት ብዝለዓለ ሎሚ ዓመት ምንቁልቋሉ እዚ ድማ ብሰንኪ ስግኣት ነጻ ፕረስ ኣብ ዓበይትን ዲሞክራሲያዊን ሃገራት ምኳኑ ይገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG