ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ መዓልቲ ፓልዮ ተዘኪሩ


ሎሚ ጥቅምቲ 24,2017 ዓ.ም ዝኽበር ዘሎ ዓለምለኸ መዓልቲ ፓልዮ ብዝወጸ ሓበሬታ መሰረት ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ጥራይ ከምዝተራእየ ተሓቢሩ። ኣብዘን ሃገራት እውን እቲ ሕማም ግን ከምዘይተስፋሕፈሐ ተሓቢሩ።

ቅድሚ 30 ዓመታት ሕማም ፖልዮ ንኣስታት 1,000 ህጻናት ኣብ 125 ሃገራት ምጥቕዑ ይፍለጥ። ይኹን ደአ እምበር ብልዑል ዓለምለኸ ጻዕርታት ንምቅራፍ ፖልዮ ቁጽሪ ሕሙማት ፖልዮ ጎዲሉ’ዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕማም ፖልዮ ካብ ዘይየጥፍአ ሃገራት ኣፍጋኒስታን፡ ናይጀርያን ፓኪስታንን ምኳነን ውዱብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።ኣብዘን ሃገራት’ውን ኣብዚ ዓመት’ዚ እቲ ሕማም ኣብ 15 ኣውራጃታት ጥራይ ከምዝተራእየ ሓቢሩ’ሎ።

ፖልዮ ኣብ ዝኾነ ሃገር እንተተራእዩ ምሉእ ንምሉእ ንምጥፋእ ሰለስተ ዓመታት የድልይ ስለዚ ወፍሪ ጸረ ፖልዮ ክሳብ 2020 ዓ.ም ክቕጽል’ዩ።

ስለዝኾነ ድማ ሎሚ ዓመት ዓለምለኸ መዓልቲ ፖልዮ “ገና ኣይተወደኣን” ብዝብል መሪሕ ቃል ተዘኪሩ ውዒሉ።

XS
SM
MD
LG