ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለም ለኸ ዕለት ዓሶ ሎሚ 25 ሚያዝያ 25 2012 ዓ.ም ተኸቢሩ ዊዒሉ


ሎሚ 25 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ወይኸአ 17 ሚያዝያ 2004 ዓ.ም ዓለም ለኸ ዕለት ዓሶ'ዩ። እቲ በዓል "ቀፃልነት'ቲ ኣብ ልዕሊ ዓሶ ዝረኸብናዮም ዓወታት ነረጋግፅ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኸብረ ዓለም ለኸ ዕለት ዓሶ አብ ኤርትራን ኢትዮጵያን'ውን ተኸቢሩ ከም ዝወዓለ ሓለፍቲ ጥዕና ገሊፆም።

ዶ/ር ተወልደ ገብረመስቀል ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓላፊ ሃገራዊ ምክልኻል ዓሶ ካብ አስመራ ን'ሬድዮ ድምፂ አሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቅ ኤርትራ ናብ ምጥፋእ ሕማም ዓሶ ገፃ ተምርሕ'ላ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሊ ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና አቶ ሓጎስ ጎደፋይ ካብ መቀለ ኸአ ሕማም ዓሶ ኣብ ክልሎም ሓደ ካብቶም ብብዝሒ ዝቐትሉ ቀንዲ ቀተልቲ ሕማማት ምኻኑ ተሪፉ ኢሎም።

ሙሉእ ፀብፃብ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG