ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሃገራት ዓለም ኣብ ዱባይ ይቓናዕ ኣሎ


ዋዕላ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሃገራት ዓለም ኣብ ዱባይ
ዋዕላ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሃገራት ዓለም ኣብ ዱባይ

መራሕቲ ሃገራት ዓለም ሎሚ ዓርቢ 1 ታሕሳስ 2023 ኣብ ዱባይ ኣብ ዋዕላ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምዝርራብ ተኣኪቦም ኣለው።

ማእኸላይ ምብራቕ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ ኩነታት ኣየር ክእንግድ እዚ ንተኸታታሊ ካልኣይ ግዜ እዩ። ሃገራት፤ ዓለም ክሳብ መወዳእታ እዚ ክፍለ ዘመን ዝገደደ መጠን ሙቐት ንምክልኻል ክሰማምዓ ተስፋ ይግበራ።

ዝለዓለት ኣፍራይ ነዳዲ ናይ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ ልዑል ሞሓመድ ቢን ሳልማን፣ ከተማታቶም ብተደጋጋሚ ብሕማቕ ኣየር ዝበከላ ናይ ዘለዋ ቀዳማይ ሚንስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ፣ ከምኡ እውን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ፣ ፕረዚደንት ቱርኪ ኤርደዋን ኣብቲ ንዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ዱባይ ዝካየድ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ ኩነታት ኣየር መደረ ካብ ዘስምዑ ልዕሊ 130 መራሕቲ ዓለም ገሊኦም እዮም።

መራሕቲ ዝዓበየ ናይ ካርበን በከልቲ ሃገራትን ንልዕሊ 44% ናብ ኣየር ዝፍነው መርዛም ጋዝ ዓለም ሓላፍነት ዝወስዳን መራሕቲ ኣመሪካ ቻይናን ብኣካል ኣይርከቡን።

ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካማላ ሃሪስን ናይ ቻይና ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ዲንግ ሹወሺያንግ ግን ክሳተፉ እዮም።

ብዙሓት ኣብቲ ዋዕላ ዝዛረቡ ናይተን ብሰንኪ ምቅፃል ከሰል፣ ነዳዲን ጋዝን ይመፅእ ዘሎ ለውጢ ኩነታት ኣየር ይወርድ ዘሎ ውሕጅ፣ ህቦብላ፣ ድርቂን ሙቐትን ብከቢድ ናይ ዝጥቅዓ መራሕቲ ሃገራት እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG