ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ሃገራት ዓለም እስራኤል ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ ኢራን ከይትወስድ ይምሕጸኑ


መራሕቲ ሃገራት ዓለም እስራኤል ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ ኢራን ከይትወስድ ይምሕጸኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:56 0:00

መራሕቲ ሃገራት ዓለም እስራኤል ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ ኢራን ከይትወስድ ይምሕጸኑ

መራሕቲ ዓለም፡ ኢራን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድሮናት፡ ቦልስቲክ ሚሳይላትን ክሩዝ ሚሳይላትን ናብ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዋ፡ እስራኤል ግብረ-መልሲ ከይትወስድ ይምሕጸኑ`ለዉ።

ኢራን ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈነወት፡ እስራኤል ፈጺማቶ ንዝተባህለ ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ዝተፈጸመ ክልተ ጀነራላት ኢራን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ስዒቡ`ዩ። እስራኤል ነቲ ናይ ኢራን መጥቃዕቲ ዳርጋ ብምሉኡ ኣፍሺለዮ`የ ትብል።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ደቪድ ካመሮን፡ ሃገሩ ንመጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ኣይትድግፍን`ያ ክብል ከሎ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብወገኑ፡ ነቲ ኩነታት ዘዕርግ ግብረ-መልሲ ክውሰድ ከም ዘይብሉ ፓሪስ ንእስራኤል ክተእምና ከም ትሰርሕ ኣፍሊጡ`ሎ። ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ፡ እስራኤል ኣብ ምህዳእ`ቲ ወጥሪ ክትተሓባበር ጸዊዑ`ሎ። ኢራን ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ`ውን ኮኒኑ። ንሱ ወሲኹ እስራኤል ምስ መሻርኽታ ብምትሕብባር ነቲ ዝተፈነዋ መጥቃዕቲ ክተበርዕኖ ምኽኣላ ኣዝዩ ዝድነቕ`ዩ ኢሉ።

ሽሕ`ኳ ካብ ናይ 1979 እስላማዊ ሰውራ ጀሚረን ኣብ ጽልኢ ዝጸንሓ ሃገራት እንተኾና፡ እዚ ናይ ትማሊ ሰንበት ግን ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸመቶ ናይ መጀመርያ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኮይኑ ተመዝጊቡ`ሎ።

ወተሃደራዊ ወሃቢ ቓል እስራኤል፡ 99 ሚእታዊት ብኢራን ዝተፈነወ ድሮናትን ሚሳይላትን በርዒኑ`ዩ ኢሉ`ሎ። እስራኤልን ኢራንን ኩናት ቓዛ ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ናይ ረጽሚ መስመር እየን ጸኒሐን። ሎሚ ሰኑይ ድማ ኣብ ዶብ ሊባኖስ ሓደ ነታጉ ድሕሪ ምፍንጃሩ ኣርባዕተ ወተሃደራት እስራኤል ቆሲሎም ኣለዉ። ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጉጅለ ህዝበላህ፡ ኣጋር ወተሃደራት እስራኤል ናብ ግዝኣት ሊባኖስ ምስ ሰገሩ እቲ ፍንጀራ ከም ዘጋጠሞም ይገልጽ።

እስራኤል ነቲ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ክትህብ እንተኾይና ክሳብ ሕጂ ምላሽ ኣይሃበትን።

መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ብወገኖም፡ እስራኤልን ኢራንን ነቲ ረጽሚ ናብ ዝከፍአ ደረጃ ካብ ምዕራግ ክቑጠባ ጸዊዖም ኣለዉ። ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ንኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታ ዓቢይ ስግኣት`ዩ ድሕሪ ምባል፡ እስራኤል`ውን ግብረ መልሲ ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ጸዊዑ`ሎ። መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ተቐናቐንቲ ወገናት ነቲ ተኣፋፊ ዞባ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ ይግባእ ኢሉ`ሎ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይጀርያ`ውን ከምኡ፡ እስራኤል ኢራንን ንሰላም ዘሎ ዓለምለኸ መብጽዓ ከኽብራ ይግባእ ኢሉ`ሎ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ`ቲ ብኢራን ዝተወስደ መጥቃዕቲ ህጹጽ ኣኼባ ጌሩ ኔሩ፡ እንተኾነ ብዘይ ዝኾነ ውሳነ`ዩ ተወዲኡ። “እቲ ግጭት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይዓርግ ንከላኸለሉ ግዜ ሕጂ`ዩ” ዝበለ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ፡ ዝለዓለ ትዕግስቲ ዘድልየሉ ግዜ `ውን ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።መራሕቲ ሃገራት ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ጉጅለ-7 ነቲ ብኢራን ናብ እስራኤል ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ኮኒነንኦ ኣለዋ።

ብኻልእ ዜና ብመሰረት ሓበሬታ ሚንስትሪ ጥዕና ቓዛ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ስዒቡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣስከሬን 68 ሰባት ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ`ሎ። እቲ ኵናት 7 ጥቅምቲ ካብ ዝጅምር፡ ሞት ወሽመጥ ቓዛ ናብ 33,797 ደይቡ`ሎ። እቲ ሚንስትሪ ኣብ መንጎ ሲቪላትን ተዋጋእትን ፈልዩ ኣይሕብርን`ዩ፡ ግን ክልተ-ሲሶ ግዳያት ቆልዑትን ኣንስትን ምዃኖም ጠቒሱ`ሎ። ዝቖሰሉ ልዕሊ 67-ሺሕ ምዃኖም`ውን ጸብጺቡ`ሎ። እስራኤል ብወገና ነቲ መጥቃዕቲ ካብ ትጅምር 12-ሽሕ ተዋጋእቲ ሓማስ ከም ዝቐተለት ኣፍሊጣ`ላ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ ንደቡብ ቓዛ ገጾም ሃዲሞም ዘለዉ ፍልስጤማውያን ናብ ሰሜናዊ ግዝኣት ቓዛ ከይምልሱ`ውን ኣጠንቂቑ`ሎ።

ምምሕዳር ባይደን ፡ ዕላማ መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ እስራኤል ከቢድ ዝኾነ ሰብኣዊ ክሳራ ንምውራድ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላጽ ፡ንእስራኤል ዘለዎ ዘይዕጸፍ ድጋፍ ኣፍሊጡ`ሎ። ባይደን ምስ ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ድማ፡ ንግዳያት ቓዛ ህጹጽ ሓገዝ ክግበርን ፡ ግጭት ወሽመጥ ቓዛ ዝዓረፈሉ ፍታሕ ክድለን ምስምምዖም ኣሶሼይትድ ፕረስ ዘዳለዎ ጸብጻብ ኣመልኪቱ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG