ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሀይቲ ጆቨነይል ሞዊስ ተቐቲሎም፡ መራሕቲ ሓያሎ ሃገራት ድማ ነቲ ቅትለት ኮኒኖሞ


ንኣርባዕተ ዓመት ንሃገረ ሀይቲ ክመርሑ ዝጸንሑ ፕረዚደንት ጆቮነይል ሞዊስ ዛጊት መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት፡ ትማሊ ረቡዕ ለይቲ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ተቐቲሎም።

በቲ ዝነበረ ምልውዋጥ ተዅሲ: በዓልቲ-ቤት እቶም ፕረዚደንት ማርቲን ሞዊስ ብኸቢድ ክቖስላ እንከለዋ፡ ድሕሪ ዝተገብረለን ክንክን ሕክምና ኣብ ዝተረጋግአ ኵነት ከም ዘለዋ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሓለቓ ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣርባዕተ ካብቶም ጥርጡራት ኣብቲ ምልውዋጥ ትዅሲ ብዓጀብቲ እቶም ፕረዚደንት ነበር ክቕተሉ እንከለዉ፡ ክልተ ድማ ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ተፈሊጡ።

ንቕትለት እቶም ፕረዚደንት ኣመኪቶም መራሕቲ ብዙሓት ሃገራት ኵነኔኦም ይገልጹ ኣለዉ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉታረዝ፡ ነቲ ቅትለት ድሕሪ ምዅናን ንፈጸምቲ ገበን ናብ ሕጊ ንምቕራብ፡ ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ሀይቲ ከም ዘሎ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኖም፡ ብቕትለት እቶም ፕረዚደንትን ኣብ ልዕሊ በዓልት እንዳኦም ማርቲን ሞዊስ ዝውረደ መጥቃዕቲን ብምንጻግ፡ ኣብ ምርግጋእ እታ ሃገር ዝከኣሎም ክሰርሑ ምዃኖም ኣመልኪቶም።

ካብቶም ኵኔነኦም ዘስምዑ መራሕቲ፡ ርእሰ-ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ፍራንሲስ ካብ ቫቲካን፣ ፕረዚደንት ሩፓብሊክ ዶመኒካ ልዊስ ኣቢናደር፣ ፕረዚደንት ቺለ ሰባስቲያን ፒኔራ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጀማይካ ኣንድሪው ሆልነስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ-እንግሊዘ ቦሪስ ጆንሰንን ካልኦትን ይርከቡዎም።

እቶም መራሕቲ ብኸምዚ ዝመስል መጥቃዕቲ ዝመጽእ ለውጢ ከም ዘየሎ ብምምልካት፡ እቲ ተግባር ንሀይቲ፡ ንድሕሪት ዝመልስ’ዩ ኢሎም።

ኣብ መበል 53 ዕድመኦም ዝተቐትሉ ፕረዚደት ጆቨነይል ሞዊስ ኣብ 2016 ደኣ ይመረጹ’ምበር፡ ብሰንኪ’ቲ ነቲ ምርጫ ስዒቡ ዝመጸ ምስሕሓብ ግን ኣብ ለካቲት 2017’ዮም መዝነቶም ተረኪቦም።

ግዜያዊ መዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ሒዞም ዘለዉ ክላውደ ጆሰፍ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኵሉ ዶባት’ታ ሃገር ዓጽዮም፡ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጆም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG