ቻይና ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካልኦት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ተስፋሕፋሓሉ ዘላ እዋን፡ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ዋዕላ ሃገራት ጉጅለ-7 ተረኺቦም ብዛዕባ ስነ-ምግባር`ቲ ቴክኖሎጂ ተዛሪቦም።
እቲ ንሸውዓተ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዝሓቖፈ ዋዕላ፡ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፡ ብዛዕባ ውሕስነት ቁጠባንን ሰብ-ሰርሖ ብልሕን ዘትዩ ኔሩ።
ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ብዛዕባ ሰብ-ሰርሖ ብልሕን ስነ ምግባራዊ ሳዕቤናቱን ከምኡ `ውን ቴክኖሎጂካዊ ምዕባለ ምስ ክብርታት ሕብረተሰብ ክጠዓዓም ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።
እቶም ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት “ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንፍልጠት ዘሎ ዕድላት ከስፍሕን ኣብ ሳይንሳዊ ምርምር ዘሎ ተኽእሎ ከዕብን ከምኡ`ውን እቲ ከቢድ ዝኾነ ስራሕ ንማሺናት ክህብ ይኽእል`ዩ" ድሕሪ ምባል ፡ "እንተኾነ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ መንጎ ዝማዕበላን ዘይማዕበላን ሃገራት ከምኡ`ውን ኣብ መንጎ ዓብለልትን ዝተጨቆኑ ማሕበራዊ ክፋላትን ልዑል ዝኾነ ዘይፍትሓውነት ከምጽእ ይኽእል`ዩ” ኢሎም።
ክኢላታት ቴክኖሎጅን ጸጥታን፡ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ጂኦ-ፖለቲካዊ ጉዳይ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣመሪካን ቻይናን ከም ላቲን ኣመሪካ ኣብ ዝበላ ሃገራት ኣብ ዝወዳደራሉ ዘለዋ ባይታ እቲ ስኽፍታ ርኡይ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ይብሉ።
ሃንደል ጆንስ ሓላፊ ስትራተጂ ኣህጉራዊ ዕዳጋ ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ “ቻይና ኣብ ካልኦት ሃገራት ንኣሰራርሓታት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ተፋልጠሉ እዋን፡ ኣመሪካ `ውን ተመሳሳሊ ክትገብር`ያ እዚ ድማ ናይ ኣሰራርሓታት ምምቕቓልን ዝተፈላለየ ጨንፈራትን ክፈጥርን ክንርኢ ኢና” ይብል።
ጽግዕነተኝነት ቻይና ንምጉዳል ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ፡ ምስ ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ዝተኣሳሰር መሳርሕታት ንምዕዳግ ናብ መክሲኮ ገጸን ይጥምታ`ለዋ። ኣብ ታይዋን ዝመደበሩ ፋክስኮን ዝተባህለ ካምፓኒ ድማ፡ ኣብ መክሲኮ ንፋብሪካታት ዝኸውን ህንጻታት ንምህናጽ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ኣውፊሩ`ኣሎ።፡
ብተመሳሳሊ ግዙፍ ኩባንያ ቻይና ዝኾነ ዋወይ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ቴለኮሚንኬሽንን ንክላውድ ማለት መዕቀቢ ዳታ ዝኸውን ትሕቲ ቅርጽን የቝም ኣሎ። እቲ ኩባንያ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት 2023 ኣብቲ ዞባ ናይ 10.9% ዕብየት ኣታዊ ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣመሪካ ድማ ንዋወይ ስግኣት ሃገራዊ ጸጥታ ብዝብል እገዳ ጌራትሉ`ያ።
ኢቫን ኤሊስ ኣብ ኮለጅ ስትራተጂካዊ መጽናዕቲ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኣመሪካ ፕሮፈሰር“ዋወይ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ንመፍትሕታት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝኸውን ትሕተ ቕርጺ ይሃንጽ ከም ዘሎ ክዛረብ እኽእል`የ” ኢሉ ።
ኢቫን ኤሊስ፡ ኩባንያ ዋወይ ዝጥቀመሉ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንጸጥታ ዘሰክፍ ክኸውን ከም ዝኽእልን ከም ገጽ ሰባት ኣላሊኻ ምፍላጥ ከምኡ`ውን ባህርያት ዓማዊል ምልላይ ዝበሉ ነገራት ከም ዘጠቓልል ይግለጽ።
ሃንደል ጆንስ ብወገኑ፡ ቻይና ኣብ ላቲን ኣመሪካ ተተግብሮ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብልሒ ንምዕራባውያን ዘሰክፍ ከኸውን ከም ዝኽእል የስምረሉ። “ ናይ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ኣሉታዊ ጎኑ፡ ክተቆጻጸር፡ ጽልዋ ክተሐድር፡ ኣብ ሚድያን ካልእን ክትጾሉ ዘኽእለካ ምዃኑ`ዩ፡ እዚ ድማ ኣካል መንግስቲ ቻይና ዝኽተሎ ፍልስፍና`ዩ” ይብል።
“ሎሚ ንመከላኸሊ ኢና ንጥቀመሉ እዮም ዝብሉ፡ ድሕሪ ብሓሙሽተ ዓመታት ግን እንታይ ከም ዝኸውን መን ይፈልጥ። ከምኡ`ውን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንመጻኢ ኣካል ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከም ዝኸውን ፍሉጥ`ዩ” ይብል።
ዝሓለፈ ግንቦት፡ ቻይና ናይ ሰለስተ ዓመት ውጥን ወግዓዊ ጌራ`ያ፡ ዕላምኡ ድማ ንኣሰራርሓ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ መስመሩ ምትሓዝን ኣብቲ ዝቀላቐለ ዘሎ ቴክኖሎጂ ጠፈር ዓለማዊ መሪሕነት ንምሓዝን ምዃኑ ይግለጽ።
ሊዩ ፐንግዩ፡ ወሃቢ ቓል ኤምባሲ ቻይና ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡” ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ሰብኣዊ ዓቕሚ ሓዲሽ ግንባር`ዩ፡ ንሱ ድማ ምስ ገዚፍ ዕድላት ዝመጽእ ኮይኑ፡ ብቐሊሉ ክትግምቶ ዝኸብድ ስግኣታትን ብድሆታትን`ውን ከምጽእ ይኽእል`ዩ፡ እዚ ድማ ዓለማዊ ምላሽ ዝሓትት`ዩ “ ኢሉ።
ወሃቢ ቓል ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣመሪካ“ብፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ዝተበገሰ ዓለማዊ ምሕደራ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንመምርሕታት ሓባራዊ ምክብባር፡ ንማዕርነት ከምኡ`ውን ሓባራዊ ተረባሕነት ምዕባለ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዘቐምጥን፡ ኣይዶሎጂካዊ መስመራት ምቕማጥ ዝቃወምን`ዩ” ኢሉ።
ወሃቢ ቓል ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣመሪካ ንፖሊሲታትን ኣሰራርሓን ሃገራት ዘኽብር ሰፊሕ ምርድዳእ ዝሓዘ ባይታ ምሕደራ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንድግፍ ኢና” ኢሉ። ንሱ ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ፡ ቻይና ምስ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ዘለዋ ምሕዝነት ኣብዚ ቀረባ ዓመታት እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ምስ ሃገራዊ ኩነታተን ዝሳነ ዝመረጽኦን ናጻን መስመር ክኽተላ ምድጋፍና ክንቅጽሎ ኢና ዝበለ ኤምባሲ ቻይና፡ ምሕዝነት ቻይናን ላቲን ኣመሪካን ንሓበራዊ ረብሓን ኩልና ከም ንዕወት ዝገብርን `ዩ ኢሉ።
ኣብ ብሩኪንግስ ኢንስቲቱት ክኢላ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ቺናሳ ኦኮሎ፡ ሕጂ ዘሎ ሓደ ካብ ብድሆታት ፡ነቲ ዝዕንብብ ዘሎ ቴክኖሎጂ ዝኸውን ቀጥዒ ዘትሕዝ ኣሰራርሓ ኣብ ምፍጣር፡ሓገግቲ ኣካላት ምስ ቅልጣፈ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ይኸዱ`ዶ ኣለዉ ዝብል `ዩ ትብል።
“ምሉእ ዓቕሙ ስለዘይንፈልጦ ክትግምቶ ቀሊል ኣይኮነን" ትብል ቺናሳ ኦኮሎ፡ ክሳብ እቲ ሕግታት ዝወጽእ እቲ ምዕባለ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ቀዲሙ ከይዱ ክጸንሕ ይእኽል`ዩ ትብል ። ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብቲ ኣብ ኢጣልያ ዝተኻየደ ዋዕላ ጉጅለ-7 ዝተዛረቡ ካቶሊካዊ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ`ውን እቲ ቅልጣፈ ቴክኖሎጂ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረሎም እዮም ተዛሪቦም። ንሶም ርብሕኡን ጉድኣቱን፡ ከመይ ትጥቀመሉን ኣብ ከመይ ተውዕሎን እዩ ዝምርኮስ ኢሎም።
ቅጥዒ