ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለም-ለኸ ኮንፈረንስ HIV/AIDS 2014 ቀፂሉ


Members of the Indian Navy band perform a fire act during rehearsals for Naval Day celebrations in Mumbai.
Members of the Indian Navy band perform a fire act during rehearsals for Naval Day celebrations in Mumbai.

ኣብ‘ቲ ኣውስትራልያ ተተኣናግዶ ዘላ ኮንፈረንስ ኤይድስ ይሳተፉ ዘለው ወከልቲ ኣብ ሓደ ነጥቢ ይሰማምዑ።እቲ ቀታላይ ቫይረስ ክጠፍእ ኣለዎ ኣብ ዝብል።

እንተኾነ ኣብ ሜልበርን ኣውስትራልያ ተራኺቦም ዘለው፣ ሊቃውንቲን ተሓለቅቲ ግዳያት‘ቲ ቫይረስን፣ነቲ ዝተፈላለየ መኣዝን ጥቅዓት ዝፍንው ለበዳ ንምቅባፅ ሓጋዚ ዝብልዎ ዝተፈላለየ ዝኣንፈቱ ስትራተጂ ሒዞም ኣለው።

ካብ ሱዳን ናብ ሜልበርን ኣኼባ ኤይድስ ዝገየሸት ናህዋት ኣልሃዲ፣ ንማሕበር ውጥን ስድራ-ቤት ሱዳን ዝወከለት‘ያ፣ካብ‘ቲ ኮንፈረንስ እንታይ ከምትፅበ ትዛረብ።ንሳ ወሲኻ ”ሓደስቲ ሰባት ቫይረስ ኤይድስ ንከይሕዞም‘ዩ ተስፋይ።ኩሎም ሊቃውንቲን ሳይንሳዊ ፅሑፋትን፣ኩሎም መብርሂታትን ናብ ሓደ ተጠሚሮም እቲ ለበዳ ኣብ ምቅባፅ ክንጥቀመሎም‘ዩ ትምኒተይ” በለት።

ኣብ‘ቲ ሜልበርን ኣውስትራልያ ተተኣናግዶ ዘላ ዓለም-ለኸ ኮንፈረንስ ኤይድስ ኣስታት 12,000 ተወከልቲ ይሳተፉሉ‘ለው።

XS
SM
MD
LG