ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ደርቂን ግጭታትን ኢትዮጵያ ን1.5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደጋ የእትዩ ኣሎ” ውድብ ጥዕና ዓለም


ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ጀነቫ ዝርከብ- ፋይል
ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ጀነቫ ዝርከብ- ፋይል

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብሰንኪ ነዊሕ ዝኸደ ድርቂን ድሒሩ ክሃርም ዝጀመረ ዘየተመጣጠነ ዝናብን፡ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣሰካፊ ጥዕናዊ ኩነታት ምህላዎም ኣፍሊጡ። እቲ ውድብ ትማሊ ረቡዕ 20 ታሕሳስ 2023 ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ በቲ ኩነታት ቀንዲ ተጸልየን ዘለዋ ክልላት ሶማሊያ፡ ዓፋር፡ ኦሮሚያ፡ ማእከላይን ደቡብን’የን።

ኣብ በበይኑ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ግጭታት ነቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ምግዳድ ተራ ይጻወት ምህላዉ’ውን መግለጺ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

ውድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ መተሓባበርቲ ኣካላትን ለገስቲን ነቲ ዘይተርፍ ዝመስል ቅልውላው ጥዕና ኣብ ምግታእ ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ክህቡ ጸዊዑ`ሎ። እቲ ውድብ ከም ዝጠቕሶ፡ ነቲ ዘሎ ጥሜትን ድርቂን ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ዕድል ዝህብ ስለ ዝዀነ፡ ኣካላት ጥዕና’ውን ኣቐዲሞም ዘድሊ ምድላው ክግበሩ ኣዘኻኺሩ`ሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምግታእ ኣብ ዝገበሮ ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ መስርሕ፡ ካብቲ ተሊሙዎ ዝነበረ ናይ 56 ሚልዮን ዶላር ፍልልይ ከም ዘለዎ ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG