ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሱዳን ሓደጋ ጥምየት የንጸላልው ምህላው ኣጠንቂቑ


ፋይል
ፋይል

ኣብታ ብዅናት ዝተሓመሰት ሱዳን ጥምየት ናብ ሓደገኛ ኩነታት ይጽጋዕ ኣሎ ክብል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣጠንቂቑ።

ሓደ እዋን ዘንቢል ህብስቲ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ሱዳን፡ ኣብ ሕድሕዳዊ ግጭት ካብ ትጥሕል ሻሙናይ ወርሓ ኣብ ዝሓዘትሉ እዋን ፡ ዝለዓለ ጥምየት ኣስጊእዋ`ሎ።

እቲ ሓደጋ ጥምየት ኣብ እዋን እቶት ምህርቲ ቀውዒ ምዃኑ ድማ ዝያዳ ታሪኻዊ ጌርዎ`ሎ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብቲ ስምዕትኡ፡ ብፍላይ ኣብ ካርቱም ዳርፉርን ኮርዶፋን ዘሎ ኩነታት ዘተሓሳስብ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሱዳን፡ ንሰብኣዊ ሓገዝ ክብሉ ነቲ ዅናት ዕረፍቲ ክገብርሉ ጸዊዑ`ሎ።

ኣብዚ እዋን`ዚ ኣስታት 5-ሚልየን ሰባት ኣብ ህጹጽ ኩነታት ረድኤት ከም ዘለዉን፡ እቶም ሰለስተ ርብዒ ካብኦም ድማ፡ ብሰንኪ`ቲ ዘሎ ዅናት ክብጽሑ ዘይክእሉ ምዃኖምን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG