ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንሰለስተ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ንምሕጋዝ ይትልም


ፋይል
ፋይል

ኣብቲ ብደርቂን ሳዕቤን ኲናት ዝተሃስየ ወገናት ኢትዮጵያ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ዜጋታት ሓገዝ ንምብጻሕ ዓሊሙ ይሰርሕ ምህላዉ ኣፍሊጡ። ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን፡ ሶማልን ዓፋርን ካብቶም ቀንዲ ኣተኵሮ ተዋሂቡ ዝስርሓሎም ዘሎ ወገናት’ዮም።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ፈለማ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ወርሒ መጋቢት ጸኒሑ ድማ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ወርሒ ሰነ ናይ 2023 ሓገዝ ምሃብ ደው ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ከም ዝኸፍአ ኣፍሊጡ። ቅድሚ ሓገዝ ደው ምባል ቁጽሪ ተጸበይቲ ሓገዝ ናብ 6 ሚልዮን ዝበጽሕ ዝነበረ፡ ሕጂ መጠን ተጸበይቲ ኣመና ስለ ዝወሰኸ 7.2 ሚልዮን ህዝቢ ሓገዝ ከብጻሕ እቲ ትካል ይትስፎ ኣሎ። እዚ ግን 40% ናይቲ ዝድለ መጠን ምዃኑ’ዩ።

ትጽቢት ሓገዝ ኣብ ዝዓብየሉ፡ እቲ ትካል ዘለዎ መጠን ሓገዝ ኣዝዩ ንኡስ ብምዃኑ ግን ለገስቲ ኣበርክቶ ክገብሩ ይጽውዕ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ትካል ኦክስፋም ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ቅልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ዘይግበር፡ ካብቶም 3.5 ሚልዮን ተጸበይቲ ረዲኤት እቶም ሓደ ሚልዮን ዝበጽሑ ዜጋታት ኣብ ድርኩዂት ዓጸቦ ክወድቁ ምዃኖም ኣጠንቂቑ። ትካል ኦክስፋም ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ዘሎ ሕሱም ደርቂ ንምግጣም ስድራቤታት ቅድሚ ሕጂ ንእንስሳታት ዝወሃብ ዝነበረ መግቢ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ክምገቡ ይግደዱ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG