ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ መራሕቲ ኢነርጂ ዓለም ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ


እዚ ጉባኤ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ዓለምለኸ ልምዲ ንምኽሳብ ዕድል ክፈጥረላ እዩ ይብሉ ኣብ ሚንስትሪ ማይ፣መስኖን ኤሌክትሪክን ተሓጋጋዚ ዳይረክተር ኽትትልን መፅናዕትን ኢነርጂ ኣቶ ሳህለ ታምሩ።

ዝቕፅል ሶኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽፈት እዚ ጉባኤ እዚ ኣብቲ ዓውዲ ርኡይ ተራ ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ክርከቡ እዮም።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሂልተን ሆቴል ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝተሓበሮ ኣስታት 20 ሚኒስትራት ኢነርጂ ከምኡ እውን ሓለፍቲ ከም ናይ ሼቭሮንን ዝዓመሰሉ ካልኦት ግዙፍ ኩባኒያታትን ክሳተፉ እዮም።ካብ ኣስታት 500 ተሳተፍቲ መብዛሕቲኦም ካብ ኣፍሪካ ከምዝኾኑ ኣቶ ሳህለ ገሊፆም።

ካብ ሓለፍቲ ቤት ምኽሪ ኢነርጂ ዓለም ሓንቲ ዝኾና ኤሚሊ ሜልተን ሸቶ እቲ ጉባኤ ንምልውዋጥ ሓሳባትን ኣተሓሳስባን እዩ ኢለን።

XS
SM
MD
LG