ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክርስትያን ሮናልዶ 'ሃት ትሪክ' ሰሪሑ፣ ግብጽን ሞሮኮን ተሳዒረን


ክርስትያን ሮናልዶ
ክርስትያን ሮናልዶ

3 ን 3 ተፈላልየን ፖርቹጋልን ስጳኝን። ሮናልዶ ኣብ መበል 3ይ ደቒቓ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ረኺቡ። ተጠቒሙላ። ዲያጎ ክሶታ ንጋንታ ስጳኝ ማዕረ ትገብራ ሸቶ ኣመዝጊቡ። 1 ን 1። እንደገና ሮናልዶ ንጋንትኡ ካልአይቲ ሸቶ አቑጺሩ ክልተ ን ሓደ ዕረፍቲ ኮይኑ።

ድሕሪ ዕረፍቲ ተጻወቲ ስጳኝ ነቲ ጸወታ ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ተቖጻጺሮምዎ። ክልተ ሸቶታት ኣከታቲሎም ብምምዝጋብ ነቲ ጸወታ 3 ን 2 መሪሖም ነይሮም ክሳብ ሮናልዶ ጉድ ዝገብሮም። ኣብ ዝዙም ሰዓት ካብ ርሕቐት ሰላሳ ሜትሮ ዝረኸባ ኩዕሶ ቅጽዓት ተጠቒሙላ። ትናኣድ ሸቶ ኣመዝጊቡ። 3 ን 3። ንጋንታ ፖርቹጋል ጸይሩ ናብ ቀጻላይ ብርኪ ዘብጻሓ ይመስል ሮናልዶ። ንሪኢ።

ቅድሚ ስጳኝን ፖርቹጋልን ዘካየዶ ግጥም ግብጽን ኡሩጓይን ከምኡውን ሞሮኮን ኢራንን ተራኺበን ነይረን። ክልቲኤን ኣፍሪቃዊያን ጋንታታት ብኩዕሶ ጸወታ ከይተበለጻ ግና'ከ ብብልሒ ተበሊጸን ተሳዒረን ኣለዋ። ክልቲኤን ጋንታታት 1 ን ዜሮ'የን ተሳዒረን።

ጽባሕ ቀዳም ፈረንሳይን ኣውስትራልያን፣ ኣርጀንቲናን ኣይስላንድን፣ ፔሩን ዴንማርክን ኣብ መወዳእታ ናይጀርያን ክሮኤሽያን ክጋጠማ'የን።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:07 0:00

XS
SM
MD
LG