ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳን ክሮኤሽያን ናብ ግጥም ጽዋዕ መን ዓተረ ሓሊፈን


ፊፋ ጽዋዕ ዓለም 2018
ፊፋ ጽዋዕ ዓለም 2018

ሩስያ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ ዘተኣናገደቶ ጽዋዕ ዓለም 2018 ናብ'ቲ ሰንበት ዝካየድ ናይ መወዳእታ ግጥም ጽዋዕ ዓለም ዝሓለፋ ክልተ ጋንታታት ተነጺረን ኣለዋ። ሎሚ ረቡዕ።

ብመሰረት'ዚ ንጋንታ ቤልጀም 1 ን ዜሮ ዝሳዓረት ጋንታ ፈረንሳን ንጋንታ ኢንግላንድ 2 ን 1 ዝሳዓረት ጋንታ ክሮኤሽያን ሰንበት ኣብ ስታድየም ሞስኮ ንጽዋዕ መን ዓተረ ክጋጠማ'የን።

ሎሚ ረቡዕ ጋንታታት ክሮኤሽያን ኢንግላንድን ኣብ ዘካየደኦ ግጥም ኢንግላንድ ኣብ መበል 5 ደቂቓ 1 ንዜሮ ክትመርሕ ኪኢላ ነይራ። ብልጫኣ ንምስፋሕ ዘኽእላ ካብ ሰለስተ ዘይንእሳ ዕድላት'ውን ረኺባ ነይራ። ግን ኣይተጠቐመትለንን። ዋጋ'ውን ኣኽፊሉዋ'ሎ።

ብኣንጻሩ ክሮኤሻውያን ሓሓሊፎም ዝረኸቡወን ጸበብቲ ዕድላት ብግቡእ ተጠቒሞምለን። ኣፈጻጽማ ኪኢሎምሉ ኣለው። ስለዝኾነ'ውን'ዩ ናብ'ዚ ክብሪ'ዚ በቒዖም ኣለ። ንጋንታ ፈረንሳ ከቢድ ፈተና ከምዝኽንዎም ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ቤልጀምን ኢንግላንድን ድማ ንሳልሳይን ሜዳልያ ነሓስን ቀዳም ክራኸባ'የን።

ዝርዝር ጸብጻብ ጽዋዕ መን ዓተረን ንደረጃን ሶኒ ሒዝናልኩም ክንምለስ ኢና።

XS
SM
MD
LG