ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተስፋ ጋንታ ናይጀርያ ኣብ ጽዋዕ ዓለም ለምሊሙ


ወርቂ ጽዋዕ ዓለም
ወርቂ ጽዋዕ ዓለም

ናይጀርያ 2 - ኣይስላንድ 0

ናይጀርያ ሳላ ሎሚ ዘመዝገበቶ ኣንጸባራቒ ዓወት ኣንጻር ኣይስላንድ ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ትርከብ። ኣይስላድ ሓደ ነጥቢ ሒዛ ሳልሳይ፣ ኣርጀንቲና ጭራ። ንናይጀርያ ክልቲኤን ሸቶታት ዘመዝገበ ኣሕመድ ሙሳ’ዩ። ኣዝየን ተደለይቲ ሸቶታት።

ናይደርያን ኣርጀንቲናን ዝርካይደኦ ግጥም ኣዝዩ ክኾን’ዩ። ዝተዓወተት ጋንታ’ያ ናብ ቀጻሊ ብርኪ ምስ ክሮኤሽያ ካብ’ዚ ምድብ’ዚ ትሓልፍ።

ጋንታ ብራዚል ኣብ ዛዛሚ ደቃይቅ ብምኽንያት ዝረኸበተን ኣጋጣሚታት ተጠቒማ ክልተ ንዜሮ ስዒራ፣ ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ወጺኣ።

ጋንታ ኮስታሪካ ሓደ ግጥም እናተረፋ ከሎ ካብ’ቲ ጽዋዕ ዓለም ወጻኢ ኮይና ኣላ። ኣብ’ዚ ምድብ’ዚ፣ ትማሊ ንጋንታ ኣርጀንቲና ዘዋረደታ ጋንታ ክሮኤሽያ ሓደ ጸወታ እናተረፋ ከሎ ናብ ቀጻሊ ምዕራፍ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ ኣላ።

ጽባሕ ቀዳም፣ ቤልጅየም ምስ ቱኒስያ፣ ደቡብ ኮርያ ምስ ሜክሲኮ፣ ጀርመን ምስ ስዊድን ክጋጠማ እየን።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:37 0:00

XS
SM
MD
LG