ብራዚል ትማሊ ዘጓነፋ ነጠባ ልዕሊ ትፅቢት ምኳኑ ናይ ኩሉ እምነት‘ዩ።ምስሊ ፅዋዕ ዓለም ሓቊፎምን ፀይሮምን ኣብ ስታድየማት‘ታ ሃገር ንሕርይቲ ጋንተኦም ዘይተኣደነ ደገፍ የስምዑን ይህቡን ንዝነበሩ ብራዚላውያን ግና ቃንዝኡ ሓያል ኮይኑ‘ሎ።
ብጠንቂ‘ቲ ኣብ ልዕሊ‘ታ ጋንታ ዝወረደ ከቢድ ውርደትን ስዕረትን፣ ክትከታተሎን ምስክር ክትከውንን‘ውን ዘቅንዙ‘ዩ ሓደ ጋዜጠኛ።
ኣብ ሓደ እዋን ንፔሌን ብርክት ዝበሉ ከዋኽብቲን ናብ ዓለም ዘላለየት ሓያል ሃገር፣ትማሊ ብጋንታ ጀርመን ዝተፈፀማ ስዕረት ንምፅዋሩ‘ውን ኣይተካኣለን ዘሎ ብብራዚላውያን።
ጋንታ ጥራሕ ኣይኮነትን ትማሊ ተሳዒራን ተዋሪዳን።እንታይ ዳኣ ንዘበናት ስም ክብሪን ኩዕሶ እግሪን ፀይራ፣ኣይዳነን ባሃሊትን ባሃላይን ህዝቢ ደጊም ንምኳና ናብ ጥርጣረ ዘውደቀ ኮይኑ‘ሎ።
ኣብ ሓደ እዋን ምስ‘ታ ጋንታ ዝተሰለፉ ብራዚላውያን፣ኣብ ሓደ ፀሓይ ዘጓነፈ ውድቀት ኣይኮነን፣ኣብ ክንድኡ ንዘበናት እናወደቀ ናይ ዝመፀ ፅፈትን ብቅዓትን ምልመላ፣ስልጠና ማእከላት ኩዕሶ እግሪ‘ምበር ይብሉ።
ብዝኾነ ብራዚል ነብሳ ትፍትሸሉ ጊዜን ዕድልን በፂሓ‘ላ።
ናብ ናይ ሎሚ ካልኣይ ግጥም ፍርቂ ፍፃመ ክንሰግር።ብልዮኔል መሲይ ትምራሕ ጋንታ ኣርጀንቲናን ብሩብን ትምራሕ ጋንታ ሆላንድን ክጣፋኣ ዳርጋ ሓደ ሰዓት ጥራሕ‘ዩ ተሪፉዎ።
ዝሳዓረት ሰንበት ኣንፃር ጀርመን ንፅዋዕ መን ዓተረ፣ዝተሳዓረት ንደረጃ ኣንፃር ኣንጉዓ ዝፈሰሰ ጋንታ ብራዚል ቀዳም ንደረጃ ክትፃወት‘ያ።ብኡ ኣቢሉ ናይ ሎሚ-ዘበን ፅዋዕ ዓለም ብራዚል 2014 ይዛዘም።