ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ዜናታት ፅዋዕ ዓለምን ድሕሪኡን


World Cup 2014
World Cup 2014

ሓላዊ ማዕፆ ጋንታ ኣሜሪካ ቲም ሃወርድ፣ድሕሪ ምስ ቤልጅየም ዘካየዶን ጋንትኡ ዝተሳዓረትሉን ግጥም፣ናይ ሓሽሽ ምርመራ ከምዝተገበረሉ ገሊፁ።

ሕርይቲ ጋንታ ኣሜሪካ ኣብ‘ቲ ግጥም ብቤልጅየም ክልተ ንሓደ ተሳዒራ‘ያ።ሓላዊ ማዕፆኣ ግና ኣብ ታሪኽ ኣብ ውሽጢ ኣስታት ኣርባዓ ዓመታት ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ቦታ ዘውህቦ ፍፃመ ኣመዝጊቡ‘ዩ።
ካብ ጋንታ ቤልጅየም ብዘይምቊራፅ ንዝተፈነው መጥቃዕታት ኣፍሺሉ‘ዩ። ብሓፈሽኡ 16 ሸቶ ክኾና ዝኽእላ ፈተነታት ኣምኪንወን‘ዩ።

ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ደገፍቱ ጥራሕ ዘይኮኑስ መቀናቅንቲ ጋንታ ኣሜሪካ‘ውን ንኢዶምዎ‘ዮም።ናይ‘ቲ ፀወታ ኮኸብ‘ውን ተባሂሉ‘ዩ ቲም ሃዋርድ።

እቲ ድሕሪ‘ቲ ግጥም ዝተገብረሉ መርመራ ሓሽሽ ኮነ ተባሂሉ ንዕዑ ጥራሕ ዝዓለመ ዘይኮነስ ሃንደበት ተሰለፍቲ ሓንቲ ጋንታ ክምርመሩ ስለዝግበር፣ ከምዕድል ኮይኑ ንዓይ ስለዝበፅሐኒ‘ዩ ኢሉ።

ብካልእ ዜና ኩዕሶ እግሪ፣ሊቨርፑል ነቲ ኣብ እገዳ ዘሎ ተፃዋቲኣ ኡሩጓያዊ ሉኢስ ስዋረስ ናብ ባርሴሎና ንክትሸጦ ትዘራረብ ከምዘላ ተገሊፁ።

እቲ ዋጋ ዕዳጋን ውዕልን እንተተኣሲሩ፣ሉኢስ ስዋረስ ናብ ባርሴሎና ብሰማንያ ሚልዮን ዶላር ክሽየጥ‘ዩ።እዚ መጠን ገንዘብ‘ዚ ንጋንታ ሊቨርፑል እቲ ዝዓበየ ዋጋ ከምዘርክበላ‘ውን ዝረኸብናዮ ስፖርታዊ ዜና ይሕብር።

ከምኣካል‘ቲ ውዕል ሊቨርፑል ንተፃዋታት ጋንታ ቺሌ ኣሌክስ ሳንቸስ ክትሓትት ትኸውን‘ያ‘ውን ዝብል ጥርጣረ ኣሎ።

ናይ ዓለምና ኣዝዩ ክባር ገንዘብ ዝኽፈሎም ተፃወቲ ኩዕሶ እግሪ ክነላልየኩም፣ክሪስትያኖ ሮናልዶ 73 ሚልዮን ዶላር፣ልዮኔል ሜስይ 65 ሚልዮን ዶላር፣ኔይማር ዲ ሲልቫ ሳንቶስ 28 ሚልዮን ዶላር፣ዌይን ሩንይ 22 ሚልዮን ዶላር፣ሰርጅዮ ኣጌሮ 21 ሚልዮን ዶላር’ዮም።

ኣብ መወዳእታ ፅዋዕ ዓለም መን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓለፈ? ንምንፃር ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ኣርባዕተ ግጥማት ኣብ ሞንጎ ሸሞንተ ጋንታታት ክካየድ‘ዩ።

ፅባሕ ብራዚል ኣንፃር ኮሎምብያ፣ጀርመን ኣንፃር ፈረንሳይ፣ኣርጀንቲና ኣንፃር ቤልጅየም ከምኡውን ሆላንድ ኣንፃር ኮስታሪካ ክጋጠማ‘የን።

XS
SM
MD
LG