ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርጀንቲና ናብ ርባዕ ፍፃመ ሓሊፋ ስዊዘርላንድ ተሪፋ


World Cup
World Cup

ዜና ፅዋዕ ዓለም፣ሎሚ ሰሉስ ናይ መወዳእታ ግጥም መን ናብ ርባዕ ፍፃመ ሓለፈ ኣብ ሞንጎ ኣርጀንቲናን ስዊዘርላንድን ተካይዱ።ኣሜሪካን ቤልጅየምን ድሕሪ ሓደ ሰዓት ክካየድ‘ዩ።

ልዮኔል ሜሲይ ዝኣምበላ ኣርጀንቲና ምስ‘ቶም ብዙሓት ውሩያት ተፃወቲ ዘይብላ ጋንታ ስዊዘርላንድ ዘካየደቶ ግጥም ካብ ትፅቢት ተኸታተልቲ ኩዕሶ እግሪ ኮይኑ‘ዩ ውዒሉ።

ኣርጀንቲና ብቀሊሉ ክትስዕር‘ያ ዝብል ግምት‘ኳ እንተነበረ ክውንነት ግና ዝተፈለየ ኮይኑ።ማዕረ ምንቅስቃስን ፈተነ ዝሸቶን ዝተመዝገበሉ።

ግጥም ክልቲኤን ጋንታታት ንቴስዓ ደቃይቅ ዜሮ ንዜሮ‘ዩ ቀፂሉ።ጋንታ ስዊዘርላንድ ዘርአየቶ ብቅዓት ንብዙሓት ዘገረመ ነይሩ።

ተመክሮ ዘለወን ጋንታታት ዝልለያሉ ቀንዲ ምልክት ኮይኑ ዘሎ ግና፣ክሳብ መወዳእታ ደቃይቅ ተጣፊአን ሸቶ ምምዝጋብ ዝብል ኮይኑ‘ሎ።ኣርጀንቲና ዝገበረቶ‘ውን ከምኡ‘ዩ።

ልዮኔል ሜስይ ካብ ማእከል ሜዳ እናደፍአ ዝወሰዳ ኩዕሶ ኣብ መበል 119 ደቂቃ ብቁፅሪ ሸውዓተ ዲማርያ ሓንቲን ወርቃዊትን ሸቶ ኣመዝጊባ ተዓዊታ‘ላ።ናብ ርባዕ ፍፃመ ሓሊፋ።

መጋጥምታ ካብ ኣሜሪካን ቤልጅየምን ፀወታ ትዕወት ጋንታ ክትከውን‘ያ።

XS
SM
MD
LG