ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣልጀርያን ናይጀርያን ካብ ፅዋዕ ዓለም ተሰጒገን


German v Algeria
German v Algeria

ቀዳምን ሰንበትን ዝቀፀለ ናይ ሎም-ዘበን ፅዋዕ ዓለም ሽዱሽተ ጋንታታት ዛጊድ ናብ ርባዕ ፍፃመ ምሕላፈን ዘረጋገፃሉ ክልተ ጋንታታት ፅባሕ ርጉፅ ዝኾናሉ ብርኪ በፂሑ።

ሶኒ ዝተራኸባ ጋንታታት ናይጀርያን ፈረንሳይን‘የን።ቀዳማይ ክፍለ ጊዜ ክልቲኤን ጋንታታት ግጥም ኣውዲቅካ ምሕላፍ ዘይኮነን ምሕዝነታዊ ግጥም‘ዩ ይነመስል ነይሩ።ኣዝዩ ዝሕቱልን ሓደገኛ ፈተነታት ሸቶ ዘይተራኣየሉን ነይሩ።

ኤሚኒኬ ኦፍ-ሳይድ ፖዚሽን ወይካኣ ካብ ፀወታ ወፃኢ ተባሂሉ’ምበር ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ ነይሩ።ብወገን ፈረንሳ ግና እዚ‘ዩ ዝባሃል ርኡይ ፈተነን ክእለትን ከይተራኣየሉ‘ዩ እቲ ፀወታ ክሳብ 78 ደቃይቅ ቀፂሉ።

ኣብ መበል 79 ደቂቃ ካብ ኩርናዕ ንዝተላኣኸት ኩዕሶ ደጋጊሞም ንማዕፆ ናይጀርያ ዝቀጥቀጡ ተፃወቲ ፈረንሳይ ብጌጋ ሓላዊ ማዕፆ ናይጀርያ ቀዳመይቲ ሸቶ ኣመዝጊቦም።

ፈረንሳውያን እንደገና ኣብ መበል 92 ደቃይቅ ካብ ኩርናዕ ንዘሕለፍዋ ኩዕሶ ተኸላኻላይ ናይጀርያ ገዛእ-ሸቶ ኣመዝጊቡ እቲ ፀወታ ብዓወት ጋንታ ፈረንሳ ክልተ ንዜሮ ተዛዚሙ።

ካብ ኣፍሪቃ ዝተረፈት እንኮ ሸቶ ኣልጀርያ ኮይና‘ላ።ኣንፃር ጀርመን ክትጋጠም ኣብ‘ዚ ሰዓት‘ዚ ትቀራረብ‘ላ።

ብራዚል ምስ ቺሌ ቀዳም ዘካየደቶ ቀዳማይ ግጥም ኣውዲቅካ ምሕላፍ ኣብ ክንዲ ክእለትን ተዓፃፃፋይነትን ውጥረትን ምስሕሓብን ዝሓየለሉ ኮይኑ‘ዩ ሓሉፉ።

ቺሌያዊያን ኣብ ቅድሚ ኣማኢት ኣሻሓት ደገፍቲ ብራዚል ዘርአይዎ ትብዓትን ቆራፅነትን ግና ዝናኣድሉ ኮይኑ‘ዩ ሓሊፉ።ማዕረ ሓደ ንሓደ ንስሩዕ ጊዜ ፀወታ ዛዚሞም፣ሰላሳ ደቃይቅ‘ውን ተወሲኹ ሸቶ ክምዝገብ ስለዘይካኣለ እቲ ፀወታ ብፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ክዛዘም ግድን ኮይኑ። እቲ ዘግርም ናይ‘ታ ጋንታ ኮኸብ ተሰላፋይ ኣሌክስ ሳንቸስ ፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ምስሓቱ‘ዩ።ብዝኾነ ኣተኣናጋዲት ሃገር ብራዚል ናብ ርባዕ ፍፃመ ሓሊፋ፣ቺሌ ንዓዳ ተመሊሳ።

ካልኣይ ግጥም ኮሎምብያን ኡሩጓይን‘ዩ ነይሩ።ንተናኻሳይ ሉኢስ ስዋረስ ከይሓዘት ናብ ሜዳ ዝኣተወት ኡሩጓይ ብፀወታ ተበሊፃ ብሓደ ተፃዋታይ ቁፅሪ ዓሰርተ ጀምስ ክልተ ሸቶ ተመዝጊቡዋ ካብ‘ዚ ግጥማት ተሳዒራ ወፂኣ‘ላ።

ትማሊ ሰንበት ሆላንድን ሜክሲኮን ዘካየድዎ ግጥም ኣሳሓሓቢ ኮይኑ‘ዩ ተዛዚሙ።ብሕልፊ ንሆላንድ ዝተወሃበት ፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ንሕቀ ሜክሲኮዊያን ዝሰበረት ኮይና‘ላ።

ሜክሲኮ ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ፅዋዕ ዓለም ካብ ዙር 16 ናብ ርባዕ ፍፃመ ምሕላፍ ዘይካኣለት ሃገር ኮይና‘ላ።ናይ ትማሊ ስዓረታ ግና ንብዙሓት ዘሕዘነ ኮይኑ‘ዩ ሓሊፉ።

ናይ ትማሊ ካልኣይ ግጥም ኣብ ሞንጎ ንኣይቮሪኮስት ስዒራ ዝሓለፈት ግሪክን ካብ ምድባ ንጣልያንን ኡሩጓይን ስዒራ ቀዳመይቲ ኮይና ዝሓለፈት ኮስታሪካን‘ዩ ተካይዱ።

ኮስታሪካውያን ኣብ መበል ሰብዓ ደቂቃ ሓደ ተሰላፋይ ብቀይሕ ካርድ ስለዝተሰጎጎም ብዓሰርተ ሰባት ንኣስታት ሓደ ሰዓት‘ዮም ተፃዊቶም።እቲ ዘገርም ግሪካውያውን ነቲ ዕድል‘ቲ ክብለፅሉ ዘይምኽኣሎም‘ዩ።ኣብ መወዳእታ እቲ ፀወታ ብፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ተዛዚሙ።ግሪክ ኣርባዕተ ኮስታሪካ ሓሙሽተ።መጋጥምቲ ኮስታሪካ ሆላንድ፣መጋጥምቲ ብራዚል ኮሎምብያ ኮይነን‘ለዋ።

ኣልጀርያ ኣንፃር ጀርመን ኣብ ዘካየደቶ ዘዕግብ ምንቅስቃስን ክእለትን ኣርእያ ግን ሕነ ቅድሚ 32 ዓመታት ከይፈደየትን ተሳዒራ ካብ‘ቲ ውድድር ወፃኢ ኮይና።ክልተ ንሓደ ተሳዒራ።

ክልቲኤን ጋንታታት ሙሉእ ጊዜ ፀወታ ዜሮ ንዜሮ ተፈላልየን።ሰላሳ ደቃይቅ ተወሲኹ ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቃይቅ ጀርመን ብኣጋጣሚ ሸቶ ኣመዝጊባ።ሰላሳ ደቃይቅ ቅድሚ ምዝዛሙ ጀርመን ካልአይቲ ሸቶ ኣመዝጊባ፣መካሓሓሲ ኣልጀርያ ኣብ ውዱእ ጊዜ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊባ። ክልተ ንሓደ ተዛዚሙ።ግጥም ፅዋዕ ዓለም ኣፍሪቃውያን ጋንታ ከይሓወሰ ንዝቅፅሉ ክልተ ሰሙናት ክካየድ‘ዩ።

ኣርጀንቲና ኣንፃር ስቂዘርላንድ፣ኣሜሪካ ኣንፃር ቤልጅየም ሰሉስ ክጋጠማ‘የን።

XS
SM
MD
LG