ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፅዋዕ ዓለም ግጥም ኣውዲቅካ ምሕላፍ ቀዳም ጀሚሩ


ተፃወቲ ጋንታ ግሪክ
ተፃወቲ ጋንታ ግሪክ

ፅዋዕ ዓለም ብራዚል 2014 ቀዳም ኣብ ሞንጎ ኣተኣናጋዲት ሃገር ብራዚልን ቺሌን ከምኡውን ኡሩጓይን ኮሎምብያን ቀዳም ክጅምር ከሎ ትማሊ ሰንበት ድማ ሃገራዊ ጋንታታት ሜክሲኮን ሆላንድን ግሪክን ኮስታሪካን ቀፂሉ ውዒሉ።

ብመሰረት‘ዚ ብራዚል፣ኮሎምብያ፣ሆላንድን ኮስታሪካን ንመጋጥምተን ስዒረን ናብ ርባዕ ፍፃመ ሓሊፈን‘ለዋ።

ኣብ ቀፃላይ ግጥም ብራዚል ኣንፃር ኮሎምብያ፣ኮስታሪካ ኣንፃር ሆላንድ መን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓለፈ ክጋጠማ‘የን።

ሎሚ ሶኒ ናይጀርያ ኣንፃር ፈረንሳይ፣ጀርመን ኣንፃር ኣልጀርያ ክጋጠማ‘የን።ተወሳኺ ሓበሬታ ዳሓር ክነቅርበልኩም ኢና።

XS
SM
MD
LG