ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፅዋዕ ዓለም 2014 ብራዚል ብዓወት ጀርመን ተዛዚሙ


ሻምፕዮን ጋንታ ጀርመን
ሻምፕዮን ጋንታ ጀርመን

ትማሊ ኣብ ታሪኻዊ ስታድየም ማራካና ንፅዋዕ መን ዓተረ ዝተራኸባ ጋንታታት ጀርመንን ኣርጀንቲናን ነይረን።እንኮ ኮኸብ ተፃዋታይ ልዮኔል ሜስይን ከምማሽን ዝንቀሳቀሱ ኣባላት ዝሓዘት ጋንታ ጀርመንን‘ዩ ነይሩ እቲ ግጥም።

ጋንታ ኣርጀንቲና ፈፂሙ ክእመን ንዘይካኣል ክልተ ውዱኣት ኩዓሳሱ ኣይተጠቀመትለንን‘ምበር፣ፅዋዕ ናብ ኢዳ ተእትወሉ ዕድል ነይሩዋ።ኣዝዩ ዘግርም‘ዩ።ኣብ‘ዚ ብርኪ ዝበቅዑ ተፃወቲ ንከምኡ ዝዓይነቱ ዕድላት ከበላሽው።ከምሳዕቤኑ‘ውን ኮይኑ ስዕረት ተጎልቢባ‘ላ ኣርጀንቲና።

ትማሊ ግና ጋንታ ጀርመን ከምኩሉሻዕ ኣዝያ ተወዲባን ተጠናኺራን እያ ተራእያ።ምስ ጋንታ ኣርጀንቲና ሙሉእ ቴስዓ ደቃይቅ ዜሮ ንዜሮ ተፈላልያ።ሰላሳ ደቃይቅ ተወሲኹ፣ኣብ መበል 103 ደቃይቅ፣ንሚርስላብ ክሎስ ተኪኡ ዝኣተወን 22 ዓመት ዝዕድሚኡን ማርዮ ጎትዝ ካብ ፀጋማይ ክንፊ ንዝሓለፈት ኩዕሶ ብኣዝዩ ዝናኣድ ክእለትን ብቅዓትን ኣብ ኣፍልቡ ተቀቢሉ ኣብ ኣየር ከላ ንሓላዊ ማዕፆ ኣርጀንቲና ሰርጅዮ ሮሜሮ ኣሽኪዑ ምስ መርበብ ኣራኺቡዋ።ኣዝያ ትናኣድን ወርቃዊትን ሸቶ።ጀርመን ሓደ ንዜሮ ነቲ ፀወታ ዛዚማቶ።

ተወሳኺ ሪፖርት
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:53 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG