ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርጀንቲናን ሆላንድን ተዳኺመን‘የን ተራእየን ትማሊ።ዝስሕብ ክእለትን ቅዲን ከይራኣናሉን‘ዩ እቲ ፀወታ ተዛዚሙ።ብሕልፊ ናይ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ኮኸብ ተፃዋታይ ኣርጀንቲና ልዮኔል ሜስይ ሓያል ትፅቢትን ሃንቀውታን ፀኒሕዎ ነይሩ ብኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ፣ግን ኣይግድን።

ብወገን ጋንታ ሆላንድ ብወገና ናይ ትማሊ ኩነታታ ኣዝዩ ዝታሓተ‘ዩ ኮይኑ ተረኺቡ።

ቴስዓ ደቃይቅ ዜሮ ንዜሮ ተፈላልየን።ሰላሳ ደቃይቅ ተወሲኹ ዝተመዝገበ ሸቶ ኣይነበረን።ናብ ፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ሰጊረን።ጋንታ ሆላንድ ክልተ ሸቶታት ኣምኪና፣ኣርጀንቲና ኣርባዕተ ሸቶታት ኣመዝጊባ ኣርባዕተ ንክልተ ብዓወት ኣርጀንቲና ተዛዚሙ‘ሎ።

ብመሰረት‘ዚ፣ንሜዳልያ ነሓሲ መን ወሰደ ጋንታታት ብራዚልን ሆላንድን ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ፣ንፅዋዕ መን ዓተረ ድማ ጋንታታት ጀርመንን ኣርጀንቲናን ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ክጋጠማ‘የን።ብዙሓት ጋንታ ጀርመን ትዕወተሉ ዘበን‘ዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG