ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋንታ ብራዚል ዘሕፍር ስዕረት ኣብ ታሪኻ ተቀቢላ!


ብራዚልን ጀርመንን
ብራዚልን ጀርመንን

ውሽጢ 29 ደቃይቅ ብኣድራጋ ሓሙሽተ ሸቶታት ኣመዝጊባ።

ኣብ ታሪኽ ፍርቂ ፍፃመ ሓሙሽተ ንዜሮ ዝተዛዘመ ውድድር ፅዋዕ ዓለም ኣብ ሓምሳታት፣ባዕላ ናይ ሎሚ ተሕዝን ተሳዓሪት ጋንታ ብራዚል ንጋንታ ፈረንሳ ኣብ ሙሉእ ቴስዓ ደቃይቅ ሓሙሽተ ንዜሮ ዝሳዓረታ ጥራሕ‘ዩ ተሰኒዱ ዘሎ።

ጊዜ ተገልቢጡ ሎሚ ብራዚል ናይ ኢዳ ረኺባ ኣብ ውሽጢ ኣስታት ፍርቂ ሰዓት ሓሙሽተ ሸቶታት ኣተኣናጊዳ‘ላ።እንታይ ኮነት? ከመይ ኢሉ‘ዩ እዚ ኩሉ ሸቶታት ብኣድራጋ ተመዝጊቡዋ? ንተንተንቲ ዘስደመመ ኮይኑ‘ሎ።

ኣብ እዋን ግጥም ብራዚልን ጀርመንን፣ኣብ‘ቲ ስታድየም ናይ ዝነበሩ ኣማኢት ኣሻሓት ብራዚላውያን ዘይኮነስ ብኣፃብዕቲ ዝቁፀሩ ጀርመናዊያን ዘጋውሕዎ ድምፂ‘ዩ ጎሊሁ ይስማዕ ነይሩ።

ካምብያ-ጀርመን ሓሙሽተ፣ብራዚል ዜሮ።ንምእማኑ ዘፅግም ውፅኢት።ንብዓት ብራዚላውያን ካብ ካልኣይ ሸቶ ኣትሒዙ‘ዩ ኣብ ምዕጉርቶም ምውሓዝ ጀሚሩ።ዘስደምምን ልዕሊ ትፅቢትን ውፅኢት።

ድሕሪ ካምብያ‘ውን እንተኾነ ኩነታት ብራዚል ዝማሓየሸሉ ባይታ ኣይነበረን ኣይተማሓየሸን‘ውን።

ጋንታ ጀርመን ተወሳኺ ክልተ ሸቶታት ኣመዝጊባ፣ጋንታ ብራዚል ብዜሮ ካብ ምስዓር ተድሕና ሓንቲ ሸቶ ብኦስካር ኣመዝጊባ፣ናብ ፅዋዕ መን ዓተረ ሓሊፋ‘ላ።ጋንታ ብራዚል ደጊም ከምስማ ከይኮነትስ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ተለዊጣ‘ላ።

ፅባሕ ረቡዕ ኣርጀንቲናን ሆላንድን ክጋጠማ‘የን።

XS
SM
MD
LG