ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ሎሚ ውዕሎ ፅዋዕ ዓለም ብራዚል 2014


World Cup
World Cup
ናይ ሎም-ዘበን ፅዋዕ ዓለም ኣገራሚት ጋንታ ኮስታሪካ ንጣልያን ሓደ ንዜሮ ብምስዓር ድሙቅ ዓወት ኣመዝጊባ።

ንእንግሊዝ ክልተ ንሓደ ዝሳዓረት ጣልያን፣ንኡሩጓይ ሰለስተ ንሓደ ዝሳዓረት ኮስታሪካ እየን ቀዲመን ናብ ሜዳ ዝኣተዋ ሎሚ ዓርቢ።

እቲ ፀወታ ክሳብ ሰላሳ ደቃይቅ ብዘይፈተነን ዝማርኽን ቅላዕን ቀፂሉ።ማርዮ ቫላቶሊ ኣብ ውዱእ ኩነታት ንሓላዊ ማዕፆ ኣስጊሩ ሸቶ ክትከውን ንዝግባኣ ኩዕሶ ክሳብ ዘምከነሉ ሰዓት።እቲ ተታኺሱ ዝነበረ ግጥም’ውን ኣበራቢሩዎ።

ጋንታ ጣልያን እንደገና ብቫላቶሊ ኣዝያ ትናኣድ ፈተነ ገይራ።ሓላዊ ማዕፆ ኮስታሪካ ብቀሊሉ ኣድሒኑዋ።ሞተር ጋንታ ጣልያን ፒሮሊ ንኣዝየን ውፅኢታዊ ክኾና ዝኽእላ ኩዓሳሱ ብምቅባል ሓላፍነቱ ተዋፂኡ‘ዩ።

ኮስታሪካ ብቁፅሪ ሸውዓተ ኣቢላ ኣብ መበል 36 ደቃይቅ ግርም ፈተነ ገይራ።ሓላዊ ማዕፆ ጣልያን ቡፎን ኣድሒንዋ።ተራ ናይ ኮስታሪካ ኮይኑ መጥቃዕቲ ኣሓይሎም።ግን ኣብ ረብሐኦም ትውዕል ኩዕሶ ኣይሰርሑን።

ኣብ መበል 41 ደቃይቅ ንኮስታሪካ ፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ክዋሃብ ነይሩዎ ሞንጎኛ ግና ኣይግባኣኩምን ኢሉ ሓሊፉዎ።ከምኡ ኮይኑ‘ውን ድሕሪ ክልተ ደቃይቅ ካብ ፀጋማይ ክንፊ ንዝሐፈት ኩዕሶ ቁፅሪ ዓሰርተ ሩኢዝ ብርእሱ ገጭዩ ኣቁፂሩዋ።ኮስታሪካ ሓደ ጣልያን ዜሮ።ዕረፍቲ ኮይኑ።

ድሕሪ ካምቢያ‘ውን እንተኾነ ጋንታ ጣልያን ተጠናኺራ ክትኣቱ ኣይካኣለት።ተሰለፍቲ ጋንታ ጣልያን ኩነታት ኣየር ድዩ ከቢድዎም ወይ ብርኪ ሒዛ ማዕረ ንእትገብሮም ሸቶ ምምዝጋብ ኣዝዩ ከቢድዎም‘ዩ ውዒሉ። ብኣንፃሩ ተፃወቲ ኮስታሪካ ካብ ደቂቃ ናብ ደቂቃ እናተሃደሱ‘ዮም ተራእዮም።ኮስታሪካ ፀብለልታ ብዘለዎ ኣገባብ ንጣልያን ስዒራ ናብ ቀፃላይ ምዕራፍ ንምሕላፍ ዘኽእላ ሽዱሽተ ነጥቢታት ሒዛ‘ላ።እዛ ጋንታ‘ዚኣ ኣብ ቀዳማይ ፀወታኣ ንኡሩጓይ ሰለስተ ንዜሮ ከምዝሳዓረታ ዝዝከር‘ዩ።ኮስታሪካ ነገር ኣለዋ‘ዶ ክንብል?

ካልኣይ ናይ‘ዚ ዕለት‘ዚ ግጥም ኣብ ሞንጎ ስዊዘርላንድን ፈረንሳይን‘ዩ። ኣብ‘ዚ ሰዓት‘ዚ ይካየድ‘ሎ።

ፈረንሳይ ብፀብላላይ ምንቅስቃስ ንስዊዘርላንድ ሓሙሽተ ንክልተ ኣፋንያታ። ሽዱሽተ ነጥቢታት ኣዋህሊላ‘ላ ፈረንሳ።ተስፋ ስዊዘርላንድ ገና ኣይፀልመተን ዘሎ።
XS
SM
MD
LG