ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሻምፕዮና ስዻኝ ብሆላንድ ተዋሪዳ፣ካሜሩን ብሜክሲኮ ተሳዒራ


CAMEROUN V MEXICO
CAMEROUN V MEXICO
ካልኣይ መዓልቲ ግጥማት ፅዋዕ ዓለም ሎሚ ኣብ ስታድየም ናታል ቀፂሉ።ንሜክሲኮን ካሜሩንን ኣራኺቡ።

ሜዳ ናታል ብማይ ዝጠልቀየ ኮይኑ‘ዩ ውዒሉ።ቅድመን ኣብ እዋንን‘ቲ ግጥም ማይ ይዘንብ ስለዝዋዓለ።እንተኾነ ኣብ ቀዳማይ 45 ፀወታ፣ሜክሲኮ ክልተ ሸቶ፣ካሜሩን ሓደ ሸቶ ብሞንጎኛ ተሳዒሩወን‘ዩ።ካብ ፀወታ ወፃኢ ወይካኣ ኦፍ-ሳይድ ተባሂሉ።

ክልቲኤን ጋንታታት ክሳብ ስሳ ደቃይቅ፣ሸቶ ኣልቦ ኮይነን‘የን ፀኒሔን። ኣብ መበል 63 ደቂቃ ሜክሲኮ ንቀዳመይቲ ሸቶ ኣመዝጊባ።

እቲ ፀወታ ኣብ ፅዋዕ ዓለም ክትሪኦ ዝግባኣካ ሜላን ዓይነትን ኣፀዋውታ ከይተራኣየሉ ዘሊቁ‘ዩ።ሓንቲ ዝትናኣድ ፈተነ ብካሜሩን ኣብ መበል ቴስዓ ደቂቃ ዝተፈነወት‘ያ።ዝናኣድ ኣቀላልዓ ብቴስታ፣ዝናኣድ ግብረ-መልሲ ሓላዊ ማዕፆ ሜክሲኮ።

ኣብ ዝተዛዘመ ሰዓት ኣብ መበል 92 ደቂቃ፣ተሰላፋይ ሜክሲኮን ማንቸስተር ዩናይትድን ቼቼሪቶ ንውዱእ ኩዕሶ ኣይተጠቀመላን።ሜክሲኮ ንኣዝዩ ኣገዳሲ ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ወፂኣ‘ላ።ይግባኣ‘ውን‘ዩ።

ኣስዒበን ዝተጋጠማ ስዻኝን ሆላንድን‘የን።ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘዳለወቶ ፅዋዕ ዓለም ንፅዋዕ መን ዓተረ ዝቀረባ ክልቲኤን ጋንታታት ሓያል ንሕንሕን ክእለትን ዝተራኣየሉ ፀወታ‘የን ኣርእየን።

ኣቀዲማ ሸቶ ዘመዝገበት ስዻኝ‘ያ ነይራ።ብፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ‘ያ ኣመዝጊባታ።እንተኾነ ተፃወቲ ሆላንድ ኣይተኻእሉን።ኣከታቲሎም ሓሙሽተ ሸቶታት ኣመዝጊቦም።ቫን ፐርሲ ክልተ እታ ሓንቲ ኣዝያ ትናኣድ ሸቶ’ያ ኣመዝጊቡ።ኣያን ሮብን ክልተ፣ኣብ መስመር ተኸላኻሊ ዝስለፍ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ።እቲ ፀወታ ሓሙሽተ ንሓደ ተዛዚሙ።
XS
SM
MD
LG