ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋንታታት ናብ ምድብ 16 ይበፅሓ‘ለዋ


Brazil v Cameroun
Brazil v Cameroun
ኣብ ወናሳይ ብርኪ ዝበፅሐ ፅዋዕ ዓለም ብራዚል 2014፣ሎሚ ሶኒይ ኣርባዕተ ግጥማት ክካየዱ መደብ ተታሒዙ‘ሎ።ነቲ ምድብ ብሓባር ይመርሓ ዘለዋ ሆላንድን ቺሌን፣ምውዳቀን ዘረጋገፃን ግን ንክብረን ዝፃወታን ኣውስትራልያን ስዻኝን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ስታድየማት ተራኺበን።

ቺሌን ሆላንድን ኣዝዩ ቅልጡፍን ምድፋእ ዝበዝሖን ግጥም ኣካይደን ፍርቂ ፀወታ ዜሮ ንዜሮ ወፂኤን።ፈር ኣብ መበል 77 ደቂቃ ልክዕ ተቀይሩ ድሕሪ ምእታው ንሆላንድ ብርእሱ ዝቀልዓ ኩዕሶ ሓሪፍ ሸቶ ኮይና።ንሽናይደር‘ዩ ቀይሩ ኣትዮ ፈር።ምሕረት ዘይምሕር መጥቃዓይ ሓይሊ ሆላንድ ኣብ ውዱእ ሰዓት ንካልአይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ።እቲ ፀወታ‘ውን ተዛዚሙ።ቺሌ ማዕረ ተወዳዲሮም፣ግን ሸቶ ከየመዝገቡ ተሳዒሮም፣ግን ካልኣይ ኮይኖም ናብ ቀፃላይ ምዕራፍ ሓሊፎም።

ስዻኝ ሓደ ንዜሮ ዕረፍቲ ወፂኣ።ዴቪድ ቪላ ንኣዝያ ትናኣድ ሸቶ ኣመዝጊቡ።እንደገና ቶረስ ካልአይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ።ስዻኝ ክልተ ኣውስትራልያ ሓደ።ሳልሰይቲ ሸቶ‘ውን ኣብ መበል ሰማንያ ደቃይቅ ኣመዝጊባ፣ስዻኝ ነቲ ፀወታ ተቆፃፂራቶ።ከምኡ ኢሉ‘ውን ተዛዚሙ።
ስዻኝ ክልተ ጫፍ ታሪኽ፣ሻምፕዮን ዝሓለፈ ፅዋዕ ዓለም፣ሎም-ዘበን ቀዳማይ መፃረዪ‘ውን ከይሓለፈት ንሃገራ ክትምለስ ተገዲዳ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣባል ሕርይቲ ጋንታ ካሜሩን ተጓሳጣይ ኣሌክስ ሶንግ ኣብ ሰለስተ ግጥማት ንሃገሩ ወኪሉ ንከይፃወት ብፊፋ ተኣጊዱ።ንሱ ናብ‘ዚ ፀገም‘ዚ ዝኣተወ፣ጋንትኡ ምስ ክሮኤሽያ ኣብ ዝተጋጠመትሉ እዋን፣ ንክሮኤሽያዊ ማርዮ ሜንዶዝች ኣብ ሕቆኡ ስለዝደሰቆ‘ዩ።ሶንግ ብቅፅበት ብቀይሕ ካርድ ካብ ሜዳ ከምዝተሰጎገን፣ጋንትኡ ኣርባዕተ ንዜሮ ከምዝተሳዓረትን ዝዝከር‘ዩ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ካሜሩን፣ሕማቅ ሽም ሒዝና ካብ ብራዚል ክንወፅእ ኣይንደልን፣ኩላትና ኣባላት‘ዛ ጋንታ ዝካኣለና ክንገብር ኢና ይብል ዓላሚ‘ታ ጋንታ ቮልከር ፊንክ።እዚ ስም‘ዚ ክማሓየሽ ዝኽእለሉ ኣገባብ ግና እንታይ ምኳኑ ኣይነፀረን።

ናብ ዜና ኮትዲቭዋር ክንኣቱ፣ሓዎም ብሞት ዝተመንጠሉ ተሰለፍቲ ጋንታ ኮትዲቭዋር፣ያያ ቱሬን ኮሎ ቱሬን፣ንጋንተኦም ንድሕሪት ገዲፎም ከምዘይኸዱ ገሊፆም።

ንእሽተይ ሓዎም ኢብራሂም ቱሬ፣ኣንፃር ካንሰር ይቃለስ ድሕሪ ምፅናሕ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማንቸስተር ሲቲ ከምዝዓረፈ ዝፍለጥ‘ዩ።

ናብ ቀዳምን ሰንበትን ዝተካየዱ ወሰንቲ ካልኣይ ግጥማት ክንወስደኩም፤ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ቦርቹጋልን ኣዝዩ ዘስደምም ውፅኢት ዝተመዝገበሉ ውፅኢት ተካይዱ።ኣቀዲማ ጋንታ ፖርቹጋል ሸቶ ኣቁፂራ ነይራ።እንተኾነ ኣሜሪካ ኣከታቲላ ክልተ ሸቶታት ኣቁፂራ፣እቲ ፀወታ ንክዛዘም ኣርባዓ ሰኮንድ ክሳብ ዝተርፎ ትመርሕ ነይራ።ፖርቹጋል ማዕረ ትገብራ ሸቶ ብኣዝዩ ዝናኣድ ኩነታት ኣመዝጊባ።ኣሜሪካ ናብ ቀፃላይ ምዕራፍ ክትሓልፍ‘ያ ተባሂሉ ከምዘይተዝረ፣ኣብ ውሽጢ ሰኮንዳት እቲ ተስፋ በኒኑ ተሪፉ።

ናይ ሞት ምድብ ዝተባሃለሉ ምድብ ሎሚ‘ውን መን ከምዝሓልፍ መን ከምዝወድቅ ዝልለየሉ ጊዜ ኣይኮነን ዘሎ።ኩለን ጋንታታት ናይ ምሕላፍ ዕድል ኣለወን።ጋና ክትሓልፍ ትኽእለሉ እንኮ ዕድል ጀርመንን ኣሜሪካን እንተሰዓዒረን ጋና ንፖርቹጋል እንተስዒራን ጥራሕ‘ዩ።ማዕረ እንተተፈላልየን ኣኺልዋ።ፖርቹጋል ንጋና እንተስዒራን ጀርመንን ኣሜሪካን ማዕረ እንተተፈላልየን፣ፖርቹጋል ክትሓልፍ ትኽእል‘ያ።ኣዝዩ ዝገርም ምትሕንናቅ።

ካብ ካልእ ምድብ፣ቤልጅየም ንሩስያ ሓደ ንባዶ ስዒራ ምሕላፋ ኣረጋጊፃ። ኣልጀርያ ብፀወታ ብልጫ ንደቡብ ኮርያ ኣርባዕተ ንክልተ ኣፋንያታ።ናይ ምሕላፍ ዕድላ ኣዝዩ ሰፊሕ ኮይኑ‘ሎ።

ቀዳም ናይጀርያ ንቦስንያ ሄርዘጎቭንያ፣ኣርጀንቲና ንኢራን ድሕሪ ሓያል ፃዕሪ ሓደ ንባዶ ስዒረን።

ቀዳም ካብ ዝተካየዱ ኣዝዮም መሰጥቲ ግጥማት ግጥም ጀርመንን ጋናን ነይሩ።ጀርመን ኣቀዲማ ሸቶ ኣመዝጊባ፣ጋና ማዕረ ትገብራ ሸቶ ኣመዝጊባ። እንደገና ጋና ክልተ ንሓደ መሪሓ።ተቀይሩ ዝኣተወ ክለውስ ንጀርመን ማዕረ ትገብራ ሸቶ ኣመዝጊቡ፣እቲ ግጥም ክልተ ንክልተ ተዛዚሙ።

ሎሚ ምሸት ሜክሲኮ ኣንፃር ክሮኤሽያ፣ፍርቂ ፀወታ ዜሮ ንዜሮ።ኣብ ክንዲ ክእለትን ዓቅሚን፣ምንሕናሕን ምጉናፅን ዝዓለሎ ፍርቂ ፀወታ ነይሩ።ሜክሲኮ ኣከታቲላ ክልተ ሸቶ ወሲኻ፣ሰለስተ ንዜሮ መሪሓ።ዳሓር ክሮኤሽያ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊባ።

ፀወታ ብራዚልን ካሜሩንን ግና ኣዝዩ ዝምስጥ ፀወታ ነይሩ።ካሜሩን እታ ቀደም ትፍለጥ ካሜሩን ኮይና‘ያ ናብ ሜዳ ኣትያ።ዝናኣድ ምንቅስቃስ ዘርአየትሉ ጊዜ ነይሩ።ብራዚል ብነይማር ክልተ ሸቶ ኣመዝጊባ።እቲ ፀወታ ክልተ ንሓደ ዕረፍቲ ኮይኑ።

ብራዚል ብኦፍሳይድ ፖዝሽን(ካብ ፀወታ ወፃኢ) ዝፀንሐ ፍረድ ኣቢላ ሳልሳይ ሸቶ ኣመዝጊባ ድሕሪ ዕረፍቲ።ሞንጎኛን ናይ መስመር ዳኛን ቅኑዕ ኣይገበሩን።ብድሕሪኡ ብራዚል ራብዓይ ሸቶ ኣመዝጊባ።

ብራዚል ምስ ቺሌ፣ሆላንድ ምስ ሜክሲኮ መጋጥምቲ ኮይነን‘ለዋ።

ፅባሕ ሰሉስ፣ጣልያን ምስ ኡሩጓይ፣ኮስታሪካ ምስ ኢንግላንድ፣ጃፓን ኣንፃር ኮሎምብያ፣ግሪክ ኣንፃር ኣይቮሪኮስት ክጋጠማ‘የን።
XS
SM
MD
LG