ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ ንእስራኤል ብገበናት ምጽናት ዓሌት ትኸስስ


ኣብ ዘ-ሄግ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ዓለምለኸ መጋብኣያ ገበን፡
ኣብ ዘ-ሄግ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ዓለምለኸ መጋብኣያ ገበን፡

ኣብ ዘ-ሄግ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ዓለምለኸ መጋብኣያ ገበን፡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ፈጺማቶ ንዝተባህለ ገበናት ምጽናት ዓሌት ጽባሕ ሓሙስን ዓርቢን ክርኢ ምዃኑ ዓለምለኸ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘስፈሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ነዚ ክሲ ዝመስረተት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ንስምምዕ 1948 ብምጥሓስ ብገበናት ጃምላዊ ምጽናት ዓሌት ተሓታቲት ምዃና ተመልክት። እስራኤል ነቲ ክሲ ክትነጽጎ ምጽናሓ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብቲ ፈለማ ክሲ ናይ ምስማዕ ከይዲ ወኪላ ክትልእኽ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ መስርሕ ክሲ ነዊሕ እዋን ከም ዝወስድ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነቲ ይፍጸም ኣሎ ዝበለቶ ጃምላዊ መቕተልቲ ሲቪላውያን ፍልስጤማውያን ንምክልኻል ግን፡ እቲ መጋብኣያ፡ ቅልጡፍ ዓጋቲ ስጕምቲ ኣንጻር እስራኤል ክወስድ ደቡብ ኣፍሪቃ ትጽውዕ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG