ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተበግሶ ሰላም ዓለም ለኸ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስትያናት ንኤርትራን ኢትዮጵያን


ጉጅለ ልኡኻት ኣብ ኤርትራ
ጉጅለ ልኡኻት ኣብ ኤርትራ

ጉጅለ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስትያናት ዓለም (WCC) ካብ 22 መስከረም 2017 ጀሚሩ ናይ ሓደ ሰሙን መገሻ ኣብ ኤርትራ ፈጺሙ ተመሊሱ ኣሎ።

እቲ መገሻ ብዶ/ር ንጉሱ ለገሰ ሓላፊ ፕሮግራማትን ኣካቢ ጨንፈር ኣፍሪቃን ብዶ/ር ዳንኤል ቡዳ ሓላፊ ፕሮግራማትን ኣተሓባባሪ ርክባት ኣብያተ ክርስትያናትን ከምዝተመርሐ ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ መገሻ ‘ብሕልፊ ኣባል ማሕበርና ብዛዕባ ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝምልከት ጉዳይ’ውን’ዩ፣ ፓትሪያርካ ዝነበሩ ካብ 2005 ዓ/ም ኣትሒዙ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ’ዚ ቀረባ ተፈቲሖም'ዮም' ይብል ፒተር ፕሮቭ።

ኣባላት’ታ ጉጅለ ልኡኻት ምስ’ቶም “ተፈቲሖም” ትብሎም ዘለኻ ፓትሪያርክ ብኣካል ተራኺቦም ናይ ምዝርራብ ዕድል’ዶ ነይሩ? ኢለዮ ንፔተር ፕሮቭ። ‘ኣይተራኸቡን’ ዝብል ሓጺር መልሲ ሂቡኒ።

‘እቲ ቀጺሉ ዘሎ ዘይደቀሰ ምስሕሓብ ዶብን ተጻባኢ ክስተታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስትያናትን’ታ ሃገር ብፍላይ ቀጥታዊን ኣሉታዊን ሳዕቤን ኣለዎ’ እውን ኢሉ።

‘ኣብ’ዚ ናይ ቀረባ እዋን መገሻ ልኡኻት ምስ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኤርትራ ናይ ምዝርራብ ዕድል ከምዘይነበረ ገሊጹ’ ፒተር ፕሮቭ።

‘ተመሳሳሊ ጉጅለ ኣይኮነን’ምበር ልኡኽ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስትያን ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ’ውን መገሻ ክፍጽም ከምዝኽእል ግና ኣይከወለን።

XS
SM
MD
LG