ISIS ኣብ ሊቢያ ኣብ ኢትዮጵያዊያን ዝፍፀሞ ዘስካሕክሕ ቕትለት ከምኡ እውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን ዝተፈፀሙ ቕትልትን ጨካን ኣተሓሕዛን ኣብ ውሽጥን ወፃእን ኣብ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ዝፈጠሮ ሓዘንን ቁጥዐን ዓሚቕን ከቢድን እዩ።ነዚ ዝተቓልዑ ኢትዮጵያዊያን መናእሰይ ንምንታይ ናብ ስደት ይኸዱ ኣለው? ዝብል ሃንደበታዊ ሕቶ ዝቐረበሎም ገለ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብዝበዝሕ ኩነታት ቁጠባን ሸቕሊ ኣልቦነትን እዩ ይብሉ።
ከም ፍታሕ ድማ ስራሕ ከይመረፅካ ኣብ ውሽጢ ሃገረይ ሰሪሐ ክሓልፈ ዝብል ኣረኣእያ ክህሊ ኣለዎ ይብሉ።መናእሰይ ብዛዕባ ሓደገኝነት ስደት ኽክለኛን ሓቀኛን ሓበሬታ ስለ ዘይረኽቡ ዝብሉ ወሃቢ ሪኢቶ እውን ኣለው።ንዝርዝሩ የድምፁ።