ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀንዲ ውራይ ባንኪ ዓለም፣ድኽነት ኣብ ምቅባፅ ከምዝኸውን ተገሊፁ


JIM YONG KIM
JIM YONG KIM
ኣብ ታሪክ ወዲ-ሰብ፣ንፈለማ ጊዜ ድኽነት ካብ ገፅ-ምድሪ ምቅባፅ ከምዝካኣል ዳይረክተር ባንኪ ዓለም ገሊፆም።

ጂም ዮንግ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ትማሊ ከምዝገለፅዎ፣ቀንዲ ትኹረት ባንኪ ዓለምን መንግስታትን፣ድኽነት ኣብ ዝቅፅሉ 17 ዓመታት ንምጥፋእ ክኸውን ክሰርሕ‘የ ኢሎም።

”ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት፣ዝተመዝገቡ ምዕባለታት ኣብ ቦትኡ ከሎ፣ሎሚ‘ውን 1.3 ቢልዮን ሰባት ኣብ ትሕቲ ድኽነት፣870 ሚልዮን ዕለታዊ ዝጠምዩ፣6.9 ሚልዮን ህፃናት ትሕቲ 5 ዓመት ድማ ዓመታዊ ይሞቱ‘ለው” ኢሎም።

ይኹን‘ምበር ይብሉ ንሶም፣ቁፅሪ ዝደኸዩ ብፍርቂ ንምንካይ ዝተገብረ ፃዕሪ፣ሓድሽ ዓቅሚ ከምዝፈጠረሎም ሓቢሮም ሚስተር ዮንግ ኪም።

ኣተሓሒዞም”ኣብ ታሪኻዊ ወቅቲ ኢና ንርከብ።ክሳብ ሎሚ ዝተጠረየን ይምዝገብ ዘሎ ቁጠባዊ ምዕባለን ንማዕበልቲ ሃገራት ተስፋ ይህበን‘ሎ።ኣብ ታሪኽ ንፈለማ ጊዜ፣ድኽነት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወለዶ ዝቃበፀሉ ጊዜ በፂሕና‘ለና”በሉ።

ኣብ ምዕዋት‘ዚ ፕሮጀክት‘ዚ፣ዕብየት ቁጠባ ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃን ደቡባዊ እስያን ቁልፊ ግደ ኣለዎም ኢሎም ንሶም።

ቁጠባዊ ምዕባለ ኣብ ኩሉ ፅፍሕታት ንዝርከቡ ዜጋታት ክርብሕሉ እንተዘይኪኢሎም ግና፣ከም‘ቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተወለዐ ህውከት ከብግስ ከምዝኽእል ዳይረክተር ባንኪ ዓለም ኣጠንቂቆም።
XS
SM
MD
LG