ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባንክ ዓለም 1.7 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ንኢትዮጵያ ንምሃብ ፈሪሙ


ባንክ ዓለም ንቀረብ ኤለክትሪክ፡ ማይን፡ ካልእ መጓዓዓዚ መግቢን ዝውዕል ናይ 1.72 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ንኢትዮጵያ ከም ዝሃብ ንሚኒስተሪ ፋይናንስ እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ከም ሓበሬታ እቲ ሚኒስትሪ፡ ካብቲ ተዋሂቡ ዘሎ ልቓሕ ኣስታት 523 ሚልዮን ኣብ ምስፋሕ ቀረባት ኤለክትሪክን ተሓዳሲ ጸዓትን ዝውዕል’ዩ። እቲ ኣስታት 500 ሚልዮን ድማ ኣብ ምስፋሕ ጽርግያን ካልእ ትሕተ-ቅርጺን ዝዓለመ ኰይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ንቐረብ መግቢን ምንቅስቓሳትን ከሳልጥ ትጽቢት ይግበሮ። እቲ ዝተረፈ ድማ ነታ ብሕጽረት ናይ ወጻኢ ባጤራ እትሳቐ ዘላ ሃገር ኣብ ምስፋሕ ዕድላት ስራሕ መንእሰያት ክውዕል መደብ ወጺኡ ኣሎ።

ልቓሕ ባንክ ዓለም መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይ ወለድ ዝወሃቡ ኰይኖም፡ ካብ 30 ክሳብ 40 ዓመታት ኣብ ዘሎ እዋን ዝኸፍሉ’ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG