ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

፮ ሃገራት ኣፍሪቃ ተረባሕቲ ፭ ቢልዮን ዶላር ልግሲ ባንኪ ዓለም ክኾና‘የን


World Bank
World Bank

ባንኪ ዓለም ንሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝርጋሐን ፅፈትን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝውዕል ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ከምዝህብ ኣፍሊጡ።

እተን ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝትግብሮ ተበግሶ ፓወር ኣፍሪቃ ዝጥቀማን፣ ብፕሮጀክት ጉጅለ ባንኪ ዓለም ዝድገፍ ገዚፍ ገንዘባዊ ደገፍ ዝረኽባን ሃገራት፣ሰለስተ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ኢትዮዽያ፣ታንዛንያን ኡጋንዳን፣ እተን ዝተረፋ ሰለስተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ድማ ናይጀርያ፣ጋናን ላይቤርያን‘የን።

ሽዱሽቲኤን ሃገራት ስሉጥ ቁጠባዊ ዕብየት ዘመዝገባን ከቢድ ሕፅረት ኤሌክትሪክ ዝተራኣየለንን ሃገራት‘ውን‘የን ተባሂሉ‘ሎ።

XS
SM
MD
LG