ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ኢኮኖሚ ሃገራት ኣፍሪቃ ክዓብይ ዶባተን ንስራሕን ንግዲን ክፉት ክገብራ ኣለወን’ ፕረ. ባንክ ዓለም


ፕረ. ባንክ ዓለም ኪም ዮንግ
ፕረ. ባንክ ዓለም ኪም ዮንግ
ዋዕላ ባንክ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለም- 2016
ዋዕላ ባንክ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለም- 2016

ኣብ ኣፍሪቃ ምንቅስቃስ ኢኮኖሚ እንተዘይተገፊሑን ብፍላይ ጎረባብቲ ሃገራት ዶባተን ንስራሕን ንግድን እንተዘይኸፊተን ዕብየተን ፈተና ክገጥሞ’ዩ፡ ናብ ኣውሮጳ ዝስደድ ቁጽሪ ሰባት’ውን ክወስኽ’ዩ ክብሉ ፕረዝደንት ባንክ ዓለም ሎሚ ገሊጾም።

ውህደት ኢኮኖሚን ንግዲን ዘስፍሕ ፖሊሲታት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተሐተ ብምኳኑ ኣዝዩ ኣሰካፊ ምኳኑን ዝገለጹ ፕረዝደንት ባንክ ዓለም ኪም ዮንግ ዕብየት ኢኮኖሚ ዓለም ከምቲ ዝተደልየ ከምዘይሰጎመ ኣብቲ ሎሚ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

እዚ ኸአ ብፍላይ ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ዘሕድሮ ተጽዕኖ ቀሊል ከምዘይኮነ ገምጊሞም’ለው። ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ንርእይ ድማ ሃገራት ኢኮኖሚአን ከወሃህዳን ንሓድሕደን …. ሓቢረን ክሰርሓን ኣለወን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG