ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባንክ ዓለም ንኢትዮጵያ 1.3 ቢልዮን ዶላር ልቃሕን ሓገዝን ተፈራሪሙ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ባንኪ ዓለም ናይ 1.3 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ልቃሕን ሓገዝ ተፈራሪሙ።

እቲ ገንዘብ ንመፈጸሚ ክልተ መርሃ ግብርታት ከምዝውዕል’ውን ተገሊጹ’ሎ። መርሃ ግብሪ ልምዓት ገጠር ፡ሴፍቲ ኔት ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ስርዓት ውሕስነት ማሕበራዊ ደሕንነት ንምግባር ውጥን’ሎ ክብሉ’ውን ሚንስትር ገንዘብን ምትሕብባር ኢኮኖሚን ኣፍሊጦም አለው።

ሎሚ ረፍዲ አብ አዲስ አበባ ቤት ጽሕፈር ሚንስትር ምትሕብባር ኢኮኖሚን ገንዘብን ኣብ ዝተጸውዓ ጋዜጣዊ ጉባ ኤ መንግስቲ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስምምዕ 1.3 ቢልዮን ዶላር ልቃሕን ሓገዝን ተፈራሪሞም አለው።

እቲ ዝተረኽበ ገንዘብ ልቃሕን ሓገዝን ንክልተ መርሃ ግብሪ ልምዓት ከምዝውዕል’ውን ተገሊጹ’ሎ።

እቲ ቀዳማይን ኣብ ነዊሕ እዋን ዝኽፈል ስምምዕ ልቃሕ ዝተረኽበ 700 ሚልዮን ዶላር ንማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብዝሓሸ ፍትሓውነትን ጽፈትን ንምዝርጋሕን ምኳን ባንኪ ዓለምን እቶም ሚኒስተርን ዝዘርግሕዎ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ይሕብሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ህልው ኩነታት ሰላም ኢትዮጵያ ከመይ ይግምገም

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG