ዋሽንግተን —
ኢትዮጵያ፣ መጠን ሸርፊ ባጤራኣ ንከተማዓራሪ ድሕሪ ምውሳና፣ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኣብ’ዘን ዝቅጽላ ኣርባዕተ ዓመታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ክትረክብ መደብ ተታሒዙ'ሎ።
ብመሰረት’ዚ ባንኪ ዓለም ሓደ ቢልዮን ዶላር ደገፍ፣ ከምኡውን ናይ 500 ሚልዮን ዶላር ብትሑት ወለድ ዝኽፈል ልቃሕ ፈቂዱ ኣሎ።
ባንኪ ዓለም ኣብ መግለጺኡ "እቲ ፈቃድ ገንዘብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዘቤታዊ ምትዕርራያት ከሕይል፣ ኣብ ዝተማለአን ንውልቀ ዓውድታትን ዘተኮረ ምዕባለ ንክትሰጋገርን ሓጋዚ ክኸውን እዩ" ይብል። ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ እዚ ዳሕረዋይ ውዕል ኣካል ባንኪ ዓለም፡ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ካልኦት ኣለቃሕቲን ዝመደብዎ 10 .7 ቢልዮን ዶላር እዩ ክብሉ ሓቢሮም ኣለው።
126 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም ለውጢ ኩነታት ኣየር (ክሊማን)፣ ድሕረ ኹናት ዳግመ ህንጸት ክልል ትግራይን ካብ ገጢሞምዋ ዘለዋ ብድሆታት ገለ እዮም።
ቅጥዒ