ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ደቂ ኣንስትዮ ብሕማም ኤችኣይቪ/ኤድስ ከምዝሞቱ ሓድሽ ዝወጸ ጸብጻብ ሓቢሩ


ሎሚ ታሕሳስ 1 ኣብ ዝዝከር ዘሎ ዓለምለኸ መዓልቲ ኤችኣይቪ/ኤድስ ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ብሕማም ኤችኣይቪ ይሞቱ፡ እዚ ድማ ብስንኪ ምርመራ ብዘይምኽያዶምን ሕክምና ብዘይምክትታልን ምኳኑ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ የረድእ።

ብመሰረት እቲ ሎሚ ዝወጸ ጸብጻብ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ክወዳደር ከሎ ደቂ ተባዕትዮ ኩነታቶም ንምፍላጥ ምርመራ ኤችኣይቪ ከምዘየኻየዱን፡ እቶም ኩነታቶም ዝፈለጡ’ውን ሕክምና ከምዘይኸታተሉ ይግለጽ።

ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ኤድስ ሕቡራት ሃገራት እዚ ኩነታት ኣብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝገደደ ምኳኑ ብምሕባር ኣብዘን ሃገራት ምስ ኤች ኣይ ቪ ዝነብሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክወዳደር ከሎ 20 ሚእታዊት ጥራይ ካብቶም ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ ኩነታቶም ከምዝፈልጡን እቶም ኤችኣይቪ ከምዘለዎም ዝፈልጡ’ውን ሕክምና ከምዘይከታተሉ እዚ ድማ ንምትሕልላፍ ሕማም ኤድስ ዓብይ ዕድል ዝህብ ምኳኑ ይሕበር።

ኣብቲ ትካል ላዕለዋይ ሓላፊ ስትራቴጂ ፒተር ጌይስ ምስቲ ሕማም ዝነብሩ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝሞቱ ይገልጹ። ንሶም ብምቅጻል ምክንያቱ ድማ ቁጽሪ አንንቲረትሮቫይራል ዝበሃል መድሃኒት ዝወስዱ ደቂ ተባዕትዮ ውሑድ ብምኳኑ የረድኡ። ብኣሃዛዊ መዓቐኒ ድማ ካብ ምስ ኤች ኣይ ቪ ዝነብሩ ደቂ ተባዕትዮ 47 ሚእታዊት ጥራይ ሕክምና ዝከታተሉ ክኾኑ ከለው 60 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ግን ነቲ ሕክምና ይኸታተላ።

“ካልእ ዝተዓዘብናዮ ረቋሒ ድማ ካብ መንጎ ነቲ ሕክምና ዝኸታተሉ’ውን ውሑዳት ደቂ ተባዕትዮ እዮም ለውጢታት ዝዕዘቡን ዝስዕቡን፡ ስለዝኾነ ድማ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ደቂ ተባዕትዮ በኤችኣ ቪ/ኤድስ ይሞቱ።ኣብ 2016 ምስ ኤችኣይቪ ኤድስ ብዝተሓሓዝ ካብ ዝሞቱ ሰባት 58 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮ እዮም።”

ብመሰረት ዓለምለኸ ጸብጻብ ምስ ኤችኣይቪ/ኤድስ ብዝተሓሓዝ ዘጋጥም ሞት ኣብ መላእ ዓለም ምጉዳሉ ይሕበር ይኹን ደአ እምበር ብመሰረት ትካል ኤድስ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ሓደሽቲ ሕሙማት ኤችኣይቪ ምህላዎምን ልዕሊ 1 ሚልዮን ድማ ምስ ኤችኣይቪ ኤድስ ብዝተሓሓዝ ምሟቶም ይሕብር።

ስለዝኾነ ድማ ሎሚ ታሕሳስ 1 ኣብ ዝዝኸር ዘሎ ዓለምለኸ መዓልቲ ኤድስ፡ ዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ኣብ መላእ ዓለም ምስ ኤችኣይቪ/ኤድስ ንዝነብሩ 36.7 ሚልዮን ሰባት ኣገልግሎት ጥዕና ንምሃብ ዘካየዶ ወፍሪ ኣብ ምዕባይ ከምዝሰርሕ ሓቢሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG