ሎሚ ዝተዘኸረ ዓለምለኸ መዓልቲ ኤይድስ ኣንፃር እቲ ቫይረስ ዝካየድ ወፍሪ ዓለምለኸ ሓገዝ ኣብ ዝጉደለሉ፣ዝምደብ ገንዘብ’ውን እናውሓደ ይመፅእ ከምዘሎ ኣብ ዝዝረበሉ እዋን እዩ ዝኽበር ዘሎ ስለዚ ሃገራትን ዝምልከቶም ወገናትን እቲ ጠመተ ንክቕፅል ኣብ ምትሕስሳብ ይርከቡ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝርኣይ መልእኽትታት ካብ ኤች.ኣይ.ቪ. ነፃ ዝኾነ ወለዶ ንምፍጣር ሎሚ እውን ጠመተ ንክቕፅሉ ዝፅውዑ እዮም።
ንዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን ሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ዘመሓለለፉ ናይ ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ እውን ነዚ መልእኽቲ ኣስሚሮምሉ ኣለው።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርግሐ ኤች.ኣይ.ቪ.ቫይረስ ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብምንፅፃር ዝወሓደ ምዃኑ መረዳእታታት ይሕብሩ።ኣብ ምንቅስቓስ ፀረ ኤች.ኣይ.ቪ ቀንዲ መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ናይ ልምዓት ረድኤት ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ምብርካቱ ገሊፁ’ሎ።
ብምኽንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ኤይድስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ናይቲ ትካል ናይ ኤች.ኣይ.ቪ. ፕሮግራም ምኽትል ኣተሓባባሪ ኣቶ ሳምሶን ኦሊ ንዩኤስኣይዲ ሓዊሱ ዓለምለኸ ኣጋራት ንፀረ ኤች.ኣይ.ቪ. ዝህቡዎ ሓገዝ ይንኪ’ሎ ንዝብል ኣይቅበሉዎን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።