ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍሪካዊያን ኣንፃር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ዝካየድ ግጥም ዓብዪ ጊደ ንኽህልዋ ክሓቱ እዮም


እታ ብለበዳ ሕማም ኣዝያ ዝትጠቕዐት ኣህጉር ንቶም ሕማማት ንምጥፋ ኣብዝግበር ግጥም እውን ብዓልቲ ዋና ክትኸውን ኣልዋ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየደ ዓለምለኸ ጉባኤ ኤዲስ ንምስታፍ ዝመፁ ኣፍሪካዊያን ልኡኻት ኣንፃር ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ዓብዪ ጊደ ንኽህልዎም ከምዝሓቱ ይዛረቡ ኣለው።

ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ኮምሽነር ማሕበራዊ ጉዳያት ቢየንስ ጋዋናስ ኣንፃር ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከመይ ገይርኻ ምውጋእ ከምዝክኣል እታ ክፍለ ዓለም ብዝዓበየ ክትስማዕ ኣለዋ ኢለን።ጋዋንስ ናይ ዓለም ማዕልቲ ኤዲስ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብዝተኸበረሉ ከምዝበልኦ እታ ብለበዳ ሕማም ኣዝያ ዝትጠቕዐት ኣህጉር ንቶም ሕማማት ንምጥፋ ኣብዝግበር ግጥም እውን ብዓልቲ ዋና ክትኸውን ኣልዋ ኢለን።

ዣብ ቢግል ምኽትል ፈፃሚት ዳይረክተር ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ኤድስ እየን።ንሰን እቲ ዝቕፅል ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጅመር ናይ ኤድስ ኮንፈረንስ ኣንፃር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብዝተኻየደ ግጥም ዓብይ ምዕባለ ከምዘኽብር ይገልፃ።22 ሃገራት ኣፍሪካ ቁፅሪ ብተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝትሓዙ ሓደስቲ ሕሙማት ምቕናሱ ኣመዝጊበን ኣለዋ ክብላ ሓቢረን።

ሕዚ’ውን እንተኾነ ግን ትሕቲ 15 ሚእታዊ ህዝቢ ዓለም ዝሓዘት ኣፍሪካ ብብዝሒ ተሸከምቲ HIV/AIDS ክልተ ሲሶ ተሸኪማ ከምእትርከብ ስታቲስቲክስ የረድእ።

ምንጭታት ገንዘብ እናተሸምረረ ኣብዝኸደሉ እዋን ኣንፃር AIDS ንዝካየድ ውግእ ንምዕዋት ኣብ ከባቢያዊ ዋንነት ከምዝምስረት ቢጊል ይገልፃ።

እቲ ዓለምለኸ ናይ ኤድስ ኮንፈረንስ ሰንበት እዩ ክጅምር።ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ልኡኻት ከምዝካፈልሉ ትፅቢት ዝግበር ሳንሳዊ ፍልጠትን ተመኩሮታትን ክለዋወጡ እዮም።

XS
SM
MD
LG