ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ ፀብፃብ ነፃነት ሃይማኖት ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ


ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሬክስ ቲለርሰን
ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሬክስ ቲለርሰን

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሬክስ ቲለርሰን ገሃስቲ ነፃነት ሃይማኖት ክብሉ ንሸውዓተ ሃገራት ብምዛዝ ነቒፎም።ዳዕሽ ኣንፃር ውሑዳት ኣመንቲ ሃይማኖትን ዓሌታትን ናዕቢ ዘንገሰ ጉጅለ ክብሉ ብከቢድ ኮኒኖምዎ።ዓመታዉ ፀብፃብ ነፃነት ሃይማኖት ትማሊ ሰሉስ ዕላዊ ኣብዝኾነሉ እዋን ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ብዳዕሽ ዝተፈፀሙ ዘስካሕክሑ ግፍዕታት ካብቶም ዝዓበዩ ስግኣታት ነፃነት ሃይማኖት ሓደ እዩ ኢሎም።

‘’ዳዕሽ ኣብዝቆፃፀሮም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ያዚዲስ፣ክርስቲያንን ሽዓ ሞስሊምን ዝተፈፀመ ምፅናት ዘርኢ ብዘየማትእ ተሓታቲ እዩ’’ ድሕሪ ምባል ኣንፃር ዘርኣውነትን ናይ ዓሌት ምፅናትን ኣብ ገሊኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰነ ጉጅለ ሱኒ ሞስሊማት፣ኩርዲን ካልኦት ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎም ዓሌታትን ንዝተፀሙ ገበናት ዳዕሽ ተሓታቲ እዩ ኢሎም።

ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን ዘይምክእኣልን ኣብ ካልኦት ከባቢታት እውን ብሰፊሑ ከምዝፍፀም ዝገልፁ ሬክስ ቲለርሰን 80 ሚእታዊ ህዝቢ ዓለም ነፃነት ሃይማኖት ኣብ ዝድርታ ሃገራት ከምዝነብር ወሲኾም ገሊፆም።

ቀንዲ መሻርኽቲ ኣሜሪካ ዝኾነት ከም ስዑዲ ዓረብ ዝበላ ሃገራት ንኩሎም ዜታታተን ነፃነት ሃይማኖታት ከረጋግፃ እቲ ፀብፃብ ይፅውዕ።

ቲለርሰን ንቱርኪ፣ባሕረይን፣ሱዳን፣ፓኪስታንን ቻይናን ብሽም ነቒፎምወን ኣለው።

ንኣስታት 200 ሃገራት ዝዳህሰሰ ፀብፃብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ቀፃሊ ፈተናታት’ዃ እንተለው ኣብ ቬትናምን ሕቡራት ዓረብ ኤሜረትስን ዝኣመሰላ ሃገራት ነፃነት ሃይማኖት ቀስ ብቐስ እናተጋፍሐ ይኽየድ ከምዘሎ ሓቢሩ’ሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:43 0:00

Recommended

XS
SM
MD
LG