ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፥ ኣብ ቦታ ዕደና ብዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ 14 ሰባት ሞይቶም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሰሜናዊ ሱዳን ኣብ ስፍራ ዕደና ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ ብውሑዱ 14 ሰባት ሞይቶም።

መንግስታዊ ሚድያ ከምዝገለጸኦ ‘ኣብ ጥቃ ዶብ ግብጺ ትማሊ ሓሙስ ዘጋጠመ ሓደጋ እቲ ኳዕቲ ዝካየደሉ ጉድጓድ ድሕሪ ምፍራሱ እዩ ይብሉ። ካልኦት ዓደንቲ ግና ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ እቲ ዜና ይሕብር።

ምንጭታት ጸጥታ ሱዳን ድማ ገለ ሰራሕተኛታት ኳዕቲ መዓድን፣ ኣብ ውሽጢ መሬት ድሕሪ ዘሊቆም ምእታዎም መሬት ክድርመሰና እዩ እናበሉ ይሰግኡ ምንባሮም ይገልጹ’።

ምድርማስ መሬት፣ ኣብ ኢንዱስትሪ ዕደና ሱዳን ዝውቱር ከምዝኾነ፣ ጽፈት ድሕነትን ጽገናን ድማ ኣዝዮም ድኹማት ምዃኖም ዝበጽሐና ዜና ይሕብር።

ቅድሚ ፪ ዓመታት፣ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ፫፩ ሰባት ከምዝሞቱ ዥከር እዩ።

XS
SM
MD
LG