ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተጨውዮም ዝጸንሑ ሰራሕትኛታት ፋብሪካ ሽኮር ወንጂ ሞይቶም ተረኺቦም ክብሉ ስድራ ሓቢሮም


ካብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቅ ሸዋ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ሽኮር ወንጂ ንልዕሊ ሰሙን ተጨዉዮም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ተቀቲሎም ከም ዝተረኽቡ ስድራ ቤቶም ገሊፆም።

እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንስራሕ ምስ ወፁ ተጨውዮም ድሕሪ ምፅንሖም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ 6 መጋቢት 2016 ኢትዮጵያ ተቀቲሎም ተረኺቦም ክብሉ ኣባላት ስድራቤቶም ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም’ለዉ።

እቶም ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ሽኮር ወንጂ ኣብ ሓንቲ መኪና ኮይኖም ናብ ግራት ቓንጫ ሽኮር ይጉዓዙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ሽዱሽተ ካብኣቶም ብዕጡቓት ከምዝተጨውዩ ዝሓበሩ ወሃብቲ ርእይቶ ካልኦት ኣታዊኦም ውሑድ ዝኾኑ ግን ኣቐዲሞም ከምዝተለቁ ገሊጾም።

ንነፍሲ ወከፍ 600-ሽሕ ብር ንክኸፍሉ ተሓቲቶም ደሓር ብልዝብ ናብ 300-ሽሕ ከምዝጎደለን እቲ ገንዘብ ተኣኪብሎም ክወሃቦም ክብል ፖሊስ ጣልቃ ብምእታዉ’ቲ ክፍሊት ከይተፈፀመ ከምዝተረፈን ደሓር ካብቶም ሽዱሽተ ሰባት እቶም ሓሙሽተ ከምዝተቀትሉ እቲ ሻዱሻይ ከኣ ሃለዋቱ ከምዘይፍለጥን ንደሕንነቶም ብምስጋእ ኣስማቶም ከይግለፅ ዝሓተቱ ወሃብቲ ርእይቶ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም’ለዉ።

ብዛዕባ'ዚ ካብ ክልል ኦሮምያን ዞባ ምብራቅ ሸዋን ርኢቶኦም ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ከምዘይሰለጠ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG