ንሓድሽ ፕረዝዳንት ድምፆፀን ንምስማዕ ናሽናል ሞል ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ሃገራዊ ኣደባባይን ኣብ ዙሪያ ዓለምን ሰልፊ ተቓውሞ ደቂ ኣንስትዮ ተኻይዱ’ሎ።
መብዛሕቲአን ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና ካብ መላእ እታ ሃገር ዝመፁ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ጭደራን ጭርሖታትን ብምሓዝ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው።
ዶናልድ ትራምፕ መበል 45 ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኮይኖም ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍፃሞም ድሕሪ 24 ሰዓታት ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተሳተፉ ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕቲዮም እቶም ሓድሽ ፕረዝዳንት ንክብርታቶምን ንራእይ ኣሜሪካን ኣፍልጦ ክህቡ ንምፅዋዕ እዩ።
ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ካልኦት እውን ኣብ ካልኦት ዓበይትን ናእሽቱን ከተማታት እታ ሃገር ተሰሊፎም እዮም።
ኣብቲ ሰልፊ ንዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ብምውካል ኣንፃር ዶናልድ ትራምፕ ተወዳዲረን ዝተስዓራ ሂላሪ ክልንተን፣ ከምኡ እውን ካልኦት ፖለቲከኛታት፣ከየንቲን ሙዚቀተኛታትን ተረኺበን እየን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።