ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት መጋቢት 8 ዝዝኸር መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ተጠቃምነትን ተሳታፍነትን ደቂ ኣንስትዮ ነረጋግፅ ዝብል ሓሳብ ተሰንዩ እዩ ሎሚ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ተዘኺሩ ውዒሉ፡፡
ብመሰረት እዚ ንምክትል ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወይዘሮ ሰብለ ካሕሳይ “እወ እዚ መጋቢት 8 ወይ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እናበልና ንፅውዖ ብዓለምለኸን ንሃገር ብርክን ዝበዓል እዩ፡፡ እዚ ፍሉይ በዓል ገይርና ነብዕሎ ዘለና ያው በብእዋኑ ዋላ መድረኻዊ ሕቶ ሒዙ ዝበዓል እንተኾነ ግን መሰረታዊ ሓሳቡ ንደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ስራሕ ማዕረ ክፍሊት ክረኽባ ኣለወን፡፡ ናይ ምስራሕ መሰለን ክኽበር ኣለዎ ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታትን ሒዙ ዝበዓል ኮይኑ ብፍላይ ሎሚ ዓመት ድማ ብዝተወደበ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎን ምንቅስቃስን ኢኮኖሚያዊ ዓቅመን ከነማዕብል ኣለና ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሒዝና ኢና ነብዕሎ ዘለና ኢለን።
ኣብ ስራሕቲ ምስትኽኻል ፀጉሪ ርእሲ ደቂ ተባዕትዮ ተዋፊራ ትሰርሕ ብርሃን ድማ ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ኣለኽን ንዝብል ሕቶ “ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግርም ኣለዋ፡፡ ነፃነተን ኣዊጀን ኣብ ሰራሕ ክዋፈራ ኣነ ንባዕለይ ሐዚ ኣብዚ ናይ ኣወዳት ፀጉሪ ርእሲ ምስትኽኻል እየ ተዋፊረ ዘለኹ፡፡ ኣብዚ ስራሕ 6 ዓማውቲ ገይረ ኣለኹ፡፡ እዚ ናይ ኣወዳት ጥራሕ ዝመስል ዘነበረ ስራሕ ኣቲናዮ ኣለና፡፡ በዚ ሰራሕ ናብራይ ይመርሕ ትምህርተይ እመሃር ኣለኩ” ትብል።
በዓልቲ ሞያ ሕጊ ወይዘሮ ገነት ግዛው እውን ኣብ መጋቢት 8 ኣመልኪታ ከምዚ ትብል “መጋቢት 8 ብደረጃ ሃገርን ዓለምን ዝኽበር በዓል እዩ፡፡ ኣብ ማዕርነት፣ ተጠቃምነትን ተሳታፍነትን ደቂ ኣንስትዮ ኣድሂቡ ዝበዓል አዩ፡፡ ብመሰረት እዚ ንሕና እውን እናብዓልናዮ ንርከብ፡፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ባዕለይ ጀሚሩ ኣነ ኣማኻሪት ሕጊ እየ፡፡ ደያኑ ኣለዋ፡፡ ደቂ ኣንስትዮ ዘይተዋፈራሉ ዓውደ ሰራሕ የለን ንምባል የድፍር፡፡ ካብ ዝተሓተ ናይ ጉልበት ስራሕ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ሓላፍነት ሰራሕ ጓል ኣንስተይቲ ኢዳ ዘይትሰደሉ የለን ንምባል ይከኣል” ትብል።