ኣስመራ —
ኣብ ዝተፈላለዩ ሞያታት ተዋፊረን ኣብ ምስራሕ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ኣብ ምውሓስን ምርግጋጽን ማዕርነት፡እተን ቀንዲ ተዋሳእቲ ደቂ ኣንስትዮ ባዕለን እየን ክብላ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረበን ደቂ ኣንስትዮ ገሊጸን።
ኣብ ኩሉ ዓይነት ሞያ ተዋፊረን ንክሰርሓ ሞያዊ ትምህርቲ ኣገዳሲ ከምዝኾነን ኣብ ዘተዋፈራሉ ሞያ ከኣ ብተገዳስነት ብምስራሕ ማዕርነተን ከረጋግጻ ከምዝኽእላን እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብሪሀን።