ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብምክንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ናይ ምሕሳም ተቓውሞ ኣካይደን


ብምኽንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ኽፍሊት፣ኣድልዎን ካልኦት ማሕበራዊ ፈተናታትን ኣቓልቦ ክረኽቡ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ‘ጓል ኣንስተይቲ ዘየላትሉ ዕለት’( A Day Without a Woman) ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ገዛውተን ናይ ምውዓል ኣድማ ኣካይደን።

ከም መርኣያ ኢኮኖሚያዊ ሓይለን ሎሚ ረቡዕ ተኸፊልወን ድዩ ከይተኸፈለን ደቂ ኣንስትዮ ዕረፍቲ ክወስዳ ኣብ ዙሪያ ዓለም ፃውዒት ቐሪቡ ኣሎ።

ቨኒሳ ካርደናስ ዝተባህለት ወሃቢት ርእይቶ ሎሚ መዓልቲ ብደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝውነን ሹቕ ኣቑሑት ንምዕዳግ ትልሚ ከምዝሓዘት ትዛረብ።

ራቸል ቶማስ ዝተባህለት ካልእ ወሃቢት ርእይቶ ድማ ብዝሒ ዝተመርፁ ሰበስልጣን ክርአ ከሎ ደቂ ኣንስትዮ ተመጣጣኒ ቁፅሪ የብለንን ትብል።

ኬሪን ኣንገስ መስራቲት ጉጅለ ዓቃባዊያን ደቂ ኣንስትዮ እያ።ንሳ ማዕርነት ፆታ ክረጋገፅ ትሰማማዕ’ዃ እንተኾነት እዚ ናይ ሎሚ ረቡዕ ስራሕ ናይ ምሕሳም ኣድማ ግን ንከምኣ ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘይሕውስ ትገልፅ።

ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ዓወታት ምምዝጋበን ብምግላፅ፣ ደቂ ኣንስትዮ ከም ግዳያት መንግስቲ ድማ ከም ፈታሒ ሽግራት ገይሩ ዝርኢ ዝተጋገየ መልእኽቲ ስለዘሕልፍ ቅቡል ኣይኮነን ትብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG