ልዕሊ 10 ዝኾና ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላትን መሰላት ደቀንስትዮን ብዘበርከትኦ ቃልሲ፥ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ ተሸሊመን።
ኣብቲ ትማሊ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተኻየደን ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንተኒ ብሊንከንን በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ባይደን ጂል ባይደን ዝተኣንገደን ስነ-ስርዓት ፥ንናይ 2024 ዕዉታት ኣህጉራዊ ተባዓት ደቀንስትዮ ሽልማት ተዋሂቡ ኔሩ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተዛረበ ኣንተኒ ብሊንከን፡ እተን ተሸለምቲ ዘካየድኦ ቃልሲ ፍሉይ `ዩ ክብል ኣድናቖቱ ገሊጹ ኔሩ።
“ኣብ ባንግላደሽ ንዘለዋ ሰራሕተኛታት ገዛ ዝጣበቓ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ድማ ስንክልና ንዘጋጠመን ዝቃለሳ፡ ኣብ ኡጋንዳ ብልሽውና የቃልዓ፡ ኣብ ጃፓን ጾታዊ በደል ይቃለሳ፡ ኣብ ቦዝንያን ሀርዘጎቪናን ንግዳያት ኲናት ዝኾኑ ቆልዑ ይማጎታ፡ ኣብ ቤላሩስ ድማ ደሞክራሲ ክሰፍንይቃለሳ። እዚ ኹሉ ፍሉይ ትብዓት ዝሓትት ቃልሲ`ዩ።"
ጂል ባይደን ብወገና፡ ከምዚ ናይዚ ዓመት ተሸለምቲ ዝገብርክንኦ ንድምጺ ደቀንስትዮ ሓፍ ምባል ፍሉይ ቦታ ዝሕዝ`ዩ ኢላ፡፡
“ ናታትክን ትብዓት ካልኦት`ውን ብወገነን ከምኡ ክገብራ፡ ይዕበ ይንኣስ፡ ሓይሊ ዝህብ`ዩ። መዝሙር መጻኢ`ዩ። ንዓና`ውን ኣበራቢሩ ደለይቲ ፍትሒ ክንከውን ተኸላኸልቲ ናጽነት ክንከውን ዝገብረና`ዩ።"
ካብ መንጎ`ተን ተሸለምቲ ኢራናዊት ተቓላሲት ፋሪባ ባሎች ሓንቲ ኔራ። ፋሪባ ኣብ ናይ ድምጺ ኣመሪካ ዶክመንታሪ ቀሪባ ኔራ። ንሳ ካብቶም ኣብ ኢራን ዝተዋሰኑ ወይ ዝተገለሉ ዝብሃሉ ዓሌት ባሉቺ ክትከውን ከላ ብዛዕባ ኣብ ናይ ኢራን ግዝኣታት ሲስታንን ባሉቺስታን ዘሎ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ዘውጽአት`ያ።
ጋምቢያዊት ተሸላሚት ፋቱ ባልደህ ብወገና ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ንኸብቅዕ ብዛዕባ ትገብሮ ቃልሲ ተዛሪባ ኔራ።።
“ብደረጃ ዓለም፡ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ክሳብ 2023 ከብቅዕ ዝብል ሸቶ ሕቡራት ሃገራት ኣሎ። እንተኾነ ኣብዛ ዘለናያ 2024 `ኳ፡ 4.4 ሚልዮን ኣዋልድ ኣብ ሓደጋ ምኽንሻብ እየን ዘለዋ።"
ኣብቲ ናይ ዋይት ሃውስ ሽልማት 11 ደቀንስትዮ ብኣካል እኳ እንተተረኸባ፡ መንግስቲ ኩባ ንማርታ በትሪዝ ሮቁ ካበላ ካብ `ታ ሃገር ወጽያ ሽልማት ክትቅበል ኣየፍቀደላን።
ኣብ ኒከራግዋ ናይ ፖለቲካ እሱራት ኔረን ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈትሓ ትሸዓተ ደቀንስትዮ`ውን ብኣካል ኣብ ዘይተረኽባሉ ብዳይሬክተር ጉዳይ ፖለቲካዊ ስትራተጂ ዋይት ሃውስ ኤሚ ሩዝ ኣፍልጦ ረኺበን ኣለዋ።
“ኩሉ ቃልሰን፡ ንኽብረን ክብላ ንነብሰን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቐን ኣንጻር ብልሽውና፡ ጭቆና፡ ኣንጻር ምጉናይነት ከምኡ`ውን ኣንጻር ካልኦት በደላት ደኺምና ከይበላ ዝግበርኦ ቃልሲ`ዩ ኣፍልጦ ንህቦ'ለና።"
እተን ተሸለምቲ ደቀንስትዮ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ኣኼባታት ፖሊሲን ህዝባዊ መደረታትን ዝሳተፋ ክኾና ኸለዋ፡ ናብ ሎስ ኣንጀለስ ብምኻድ`ውን ምስ ከምአን ዝበላ ኣመሪካውያን ክራኸባን ክሰርሓን መደብ ተታሒዙለን ኣሎ።
ቅጥዒ