ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ አካል ጉድኣት ዘይጸገማ ጻዕራም ኣደ


ካብ መቐለ ከባቢ 200 ኪሎ ሜትሮ ተጓዓዝካ እንዳማርያም ሸዊቶም ምስ ረከብካ ንፀጋም ኣስታት ፍርቂ ሰዓት ብእግሪ ተጓዝካ ፃዕራም ምርኣይ ዝተስኣና ጓል ኣንስተይቲ ረኪበ ኣዛራሪበያ ኣለኩ፡፡ ወይዘሮ ሕልፊ ዝበሎ ትበሃል፡፡ ሕልፊ ካብ 1975 ዓ.ም ጀሚራ ክልቲኡ ዓይና ዝሰኣነት አያ፡፡ ምርኣይ ምስኣን ምስ ኣጋጠማ ኢዳን እግራን ኣጣሚራ ኮፍ ኣይበለትን፡፡ ወይ እውን ደቃ ተር ኣቢላ ናብ ምልማን ናብ ፅርግያ ኣይወፅአትን፡፡ እንታይ ድኣ ገይራ?

ናይ አካል ጉድኣት ዘይጸገማ ጻዕራም ኣደ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:05 0:00

ፀገም ምስ ኣጋጠሚ ክሰርሕ ኣለኒ ኢለ ወሲነ፡፡ ምስ ስድራይ ተፀጊዐ ክሰርሕ ቆሪፀ፡፡ ንእሽተይ ግራት ምስ ረከብኩ ኣብ ጎና ማይ ሓቂፋ ዘላ ግራተይ ምስኣ ዘይካኣል የለን ኢለ ምልማዕ ጀሚረ፡፡ ቅድሚ 7 ዓማውቲ ህፃውንቲ ደቀይ ኣክቲተ ምልማዕ ጀሚረ ኣይሓመቀንን ድማ ኮሚደረ፣ሽጉርቲ፣ሓምሊ፣ ጉዕ፣ሰላጣን ካልኦት ኣትክልትን ብምትካል ናብራይ ባዕለይ ክመርሕ ኪኢለ፡፡ደቀይ እውን እቲ ዓብይ 10 ክፍሊ በፂሑ ዓድዋ ከይዱ ይመሃር፡ ቀለቡ ክዳኑን ገዛ ክራይን ካብዚ መስኖ ብዘእትዎ እቶት ይሽፍነሉ፡፡ እቶም ካልኦት እውን 8ይ፣5ይን 3ይን ክፍሊ ይመሃሩ ኣለዉ፡፡

ኣብ ስራሕቲ መስኖ ይፃሂ፣ ይኵስኩስ፣ማይ የስቲ ፣ እስቲና ይገጥም፡ ይዓፅድ ዝተርፈኒ ስራሕ የብለይን፡፡ ዝተረፈት ንእሽተይ ግራተይ ንትውፍርት ከይሃብኩ ባዕለይ ይቃለሳ ኣለኩ፡፡ ሳላ ትህኪት ዘይወረሰኒ ዓመታዊ እቶት ንደቀይ ብዘይ ፀገም ምንባርን ምምሃርን ይክእል ኣለኩ፡፡ስለዚ ክሰርሖ እየ እንድሕር ኢልካ ዘይክኣል ነገር የለን፡፡ ስራሕ መክበሪ እዩ፡፡ ፈቀዶ ፀሓይን ቁርን ከርተት እናበልካ ኣብ መነወሪ ልመና ምውፋር ኣየድልን ከምዚ ናተይ ተስፋ ብዘይምቁራፅ ናብ ስራሕ ምውፋር ይበልፅ ትብል ወይዘሮ ሕልፊ ዝበሎ።

ኣይተ ገረችኣል ድማ ሕልፊ ጠንካራ ፃዕራም ናይ ስራሕ ሰብ እያ፡፡ ንዓኣ ዝኣክል የለን፡፡ ካብቶም ዓይነ ብርክን ጉልበትን ዘለና ሰባት ትነፍዕ ህርኩቲ እያ፡፡ ንዓኣ ርእየ ናብ ልምዓት መስኖ ኣትየ ይርባሕ ኣለኩ ብምባል ቃል ምስክርነቱ ገሊፁላ፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ናይ አካል ጉድኣት ዘይጸገማ ጻዕራም ኣደ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:35 0:00

XS
SM
MD
LG