ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አዲስ አበባ፡ ኣብ ሕርሻ ዝተዋፈራ ኣፍሪቃዊያን ደቂ ኣንስትዮ ዝዝትያሉ መድረኽ ተኻይዱ


ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ: ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ዘዳለዎ ኣብ ሕርሻ ዝተዋፈራ ኣፍሪቃዊያን ደቂ ኣንስትዮ ተመኩረኣን ዝለዋወጣሉ መድረኽ ኣብ ኣዲስ ሎሚ ተኻይዱ።

ዕላማ ናይቲ መድረኽ ኣብ ሕርሻ ዝተዋፈራ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ዘፈር መራሕቲ ዝኾናን መርበብ ብምፍጣር ተመኩሮ ንክለዋወጣ እዩ።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ እቲ መድረኽ ኣገደስቲ ዝኾኑ ጉዳያት ከምዝለዓለ ኣብ ሃዲያ ወናኒት ናይ ሕርሻ ኩባኒያ ወ/ሮ ሃዲያ ጉንጂ ገሊፀን።ኣብ ሕርሻ ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ዝበለፅ ፈተናታት ከምዘለወን እውን ሓቢረን።

“ኣብቲ መብርሂ ከምዝተገልፀ ልክዕ ከም ብሩኪና ፋሶ ዝኣመሰላት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ዋንነት መሬት ዓብዪ ክፍተት ኣሎ።ኣብ ከባቢታት ገጠር ደቂ ኣንስትዮ እቲ ከቢድ ስራሓት ይሰርሓ፤ድምፂ ግን የብለንን።ወናኒ ናይቲ ፍሪያት ሰብኣይ፤ዝሸይጥ እውን ንሱ እዩ።”

ብደረጃ ፖሊሲ’ውን ንደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዝ እንተኾነ እውን ኣብ ታሕቲ ኣብ ኣፈፃፅማን ዓብዪ ፀገም ከምዘሎ ወ/ሮ ሃዲያ ገሊፀን።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ኣሜርካ ብዝመፁ ክኢላታት ፅሑፋት ምቕራቡ እውን ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ጸብጻብ ይገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG