ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ማዕልቲ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ትግራይ ይወርድ ዘሎ ፆታዊ መጥቓዕትን


March 8 ን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ትግራይ ይወርድ ዘሎ ፆታዊ መጥቓዕቲን ምኽኒያት ብምግባር ዘዘራረብናየን ሓኪም ስነ ልቦናን ካብ መስረቲ ምቅንስቓስ’’ይኾኖ’'ን ዶክተር ሄልን ቴድሮስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ እትነጥፍ ኣበባ ወልደተኽለ ካብ ፊኒክ ኣሪዞናን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ከቢድ ኩነታት ኣለዋ ይብላ።

‘’ኣብ ቀረባ ናብ ትግራይ ከይደ ፆታዊ መጥቓዕቲ ዝወረደን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ መቐለ ብኣካል ረኺበየ ሪአየን’’ ዝበለት ዶክተር ሄለን ክትሓስቦ እውን ኣዚዮ ከቢድ ኣብ ዝኾነ ስነ ኣእሙራውን ኣካላውን ኩነታት ኣለዋ ኢላ።ብሓፈሻ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ‘’ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ኣብ ታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተፈፂሙ ዘይፈልጥ በደላት ይፍፀመን ኣሎ’’ ክትብል ትገልፆ።

‘’ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለዋ’’ ዝበለት ኣበባ ወልደተኽለ ብወገና ‘’ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ይድፈራ ኣለዋ፣ይዕመፃ ኣለዋ፣ብዙሕ ፆታዊ መጥቓዕቲ ይብዘፅሐን ኣሎ፣ይስደዳ ኣለዋ፣ይጠምያ ኣለዋ’’ክትብል ትገልፆ። ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዘይተነገረ እምበር ዘይተገበረ የለን እውን ትብል ወሲኻ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል።

XS
SM
MD
LG